ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ መዓልቲ 20 ሽሕ ሜትር ኪዩቢክ ፈሳሲ ዘፃሪ ፕሮጀክት ጣብያ መፃረዪ ፈሳሲ ኮዬ ኣመሪቐን

ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 10/2018(ኢዜኣ) ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ መዓቲ 60 ሽሕ ሜትር ኪዩቢክ ፅሩይ ማይ መስተ ዘፈልፍልን ኣብ መዓልቲ 20 ሽሕ ሜትር ኪዩኒክ ፈሳሲ ዘፃርን ፕሮጀክት ጣብያ መፃረዪ ፈሳሲ ኮዬ ኣመሪቐን።
እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፀን ኣብ ዘመሓላለፍኦ መልእኽቲ፤ ቀረብ ፅሩይ ዝስተ ማይ ንምዕባይ ቱሉ ጉዶ፣ ለገዳዲ ክፍል 2፣ ከባቢ ሓባርዊ መንበሪ በረከት፣ ቦሌ ኣራብሳን ካልኦት ብርክት ዝበሉ ጎዳጉድን ብምልማዕ ኣብታ ከተማ ቅድሚ 5 ዓመት ዝነበረ 525 ሽሕ ሜትር ኪዩብክ ኣብ መዓልቲ ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ኣብዚ ሕዚ እዋን 910 ሽሕ ኪዩቢክ ሜትር ከም ዝበፅሐን ሓቢረን።



እቶም ፕሮጀክትታት ጥዕናን ፅሬትን ዝሕልዉ፣ ብኽለት ሩባታትና ዝቕንሱ፣ ሓለዋ ከባቢ ዝርጠናኽሩ እዮም ኢለን።
ኣዲስ ኣበባ ከም ሽማ ሓዳሽ፣ፅብቕቲ፣ ፅሩይቲ፣ ጥዕና ዘለዋ፣ ሓምለወይቲ፣ ዘበናዊትን ንወለዶ እትምችውን ከተማ ንምግባር ዝተጀመረ ሽቶ ተጠናኺሩ ከም ዝቕፅል እውን ን ኣረጋጊፀን።
እዚ ዓብይ ፕሮጀክት ጋህዲ ንክኾን ኣገልግሎት ልቓሕ ንዝሃበ ባንኪ ዓለም ከምኡ እውን ማይ ዝርከበሎም ከባብታት ብምትሕብባር ንምልማዕ ንዝደገፈ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ፣ ልዕሊ ኩሉ ድማ ዘላቒ መነባብሮኦም እናመርሕሉ ዝነበረ መሬት ነዚ ልሞኣት ንዝለቐቑ ሓረስቶትን ንዕዉትነት እቲ ፕሮጀክት ቀትርን ለይትን ብዘይ ዕርፍቲ ንዝተግሁ ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን በዓል መዚ ማይን ፈሳስን ዘለወን ምስጋና ኣቕሪበን። 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም