ከይዲ ጉባኤ ሃገራዊ ምኽክር ብፅቡቕ ኩነታት ይካየድ ከም ዘሎን ንዕውትነት እቲ ምኽኽር እውን ኣድላዩ ድጋፍ ከም ዝገብርን ትግራይ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ (ትዴፓ) ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 10/2018 (ኢዜኣ) ከይዲ ጉባኤ ሃገራዊ ምኽክር  ብፅቡቕ ኩነታት ይካየድ ከም ዘሎን ንዕውትነት እቲ ምኽኽር እውን ኣድላዩ ድጋፍ ከም ዝገብርን ትግራይ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ (ትዴፓ) ኣፍሊጡ። 
ትዴፖ ​ኣብ መስርሕ  ሃገራዊ ምኽክርን ህፁፅ ኩነታት ትግራይን  ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፤ ​ኣብ  ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ሃገራዊ መስርሕ ምኽክር ንኢትዮጵያ ሓዱሽ ባህሊ ፖለቲካን ምዕራፍ ምድግጋፍን ዝኸፈተ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ምዃኑ ኣመላኺቱ።
​ትዴፓ ህዝቢ ትግራይ ከም ኩሉ ኢትዮጵያዊ ሓዉ ኣብዚ ሃገራዊ መስርሕ ማዕረ ድምፅን መሰልን ሃሊውዎ ንክመክር ልዑል ተበግሶ ብምውሳድ ግንባር ቀደም ተራ ከም ዝተፃወተ እውን ገሊፁ።
ናይ ህዝቢ ትግራይ ሓቃዊ ድሌትን መከራን ኣብቲ ሃገራዊ መድረኽ ንክስማዕ ካብ ኣጀንዳ ምእካብ ጀሚሩ ምስ ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ብቐረባ ክሰርሕ ከም ዝፀንሐ ብምዝኽኻር፤  ኣብዚ ሕዚ እዋን እውን ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ዝተመረፁ ልዕሊ 300 ተወከልቲ ህዝቢ ኣብዚ ታሪኻዊ መስርሕ ብንቅሓት ይሳተፉ ከም ዘለዉ ኣፍሊጡ።
​ካብ ምኽክር ዝረሓቑ ወገናት ናብ ዘተ ናይ ምምላስ ፃዕሪ ካብዚ መስርሕ ተፈልዮምን ኣንፃር እቲ ምኽክር ጠጠው ዝበሉን ወገናት ከምኡውን ፖለቲካዊ ሓይልታት ናብ'ቲ ሃገራዊ ምኽክር ንክመፁ ትዴፓ መንገድታት ሰላምን ትዕግስትን ከም ዝተጠቐመ ኣመላኺቱ።
ፀገማት ብሓይሊ ናይ ምፍታሕ ሕማም ብምሕዳግ ብዝሰልጠነ መንገዲ ኣብ ዙርያ ጠረጴዛ ምድምማፅ ዘምፅኦ ዘላቒ ረብሓ ብምርዳእ መፃኢ ዕድል ህዝቢ ንምቕዳም ብምግንዛብ ኣወንታዊ ፅልዋ ንምፍጣር ፃዕሪ ከም ዝገበረን ​ሓዱሽ ሃገራዊ ባህሊ ፖለቲካ እዚ  ናይ ምኽክር መስርሕ ንፍልልያት ብብረትን ብሓይልን ንምፍታሕ ይግበር ዝነበረ ጎዳኢ ልምዲ ጠጠው ንምባልን ብዝሰልጠነ መንገዲ ብምድምማፅን ብዘተን መፍትሒ ናይ ምድላይ ሓዱሽ ናይ ኢትዮጵያውያን ፅቡቕ ባህሊ ንክፈጠር ይገብር ኣሎ ኢሉ። 
ትዴፓ ኣብ መግለፂኡ፤ እዚ መስርሕ ምኽክር ዝሓለፉ በሰላታትን ቁስልታትን ብምሕዋይ ቀፃልነት ሃገር ዘረጋግፅ ንዘላቒ ሰላምን ልምዓትን መንገዲ ዝኸፍት ሓዱሽ ናይ ታሪኽ ምዕራፍ ከም ዝኸፈተ ብፅንዓት ከም ዝኣምን ኣፍሊጡ።
ከምኡ'ውን ብሄር፣ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ብዝበለፀ ንክፋለጡ፣ሓባራዊ ፀጋታቶም ንከዕብዩን ታሪኻዊ ሕውነቶም ንከጠናኽሩን ዓቢይ ድልድል ከም ዝኾነ ገሊፁ።
​እቲ ጉባኤ ምኽክር ብፅቡቕ ኩነታትን ብፅቡቕ መንገድን ይቕፅል ብምህላዉ ትዴፓ ዘድሊ ደገፍ ኩሉ ምግባሩ ከም ዝቕፅል እውን ኣፍሊጡ።
እዚ ሓዱሽ ምዕራፍ ኢትዮጵያ ንምኽፋት ንዝደኸሙ፣ ታሪኽ ንዝፀሓፉ ንመራሕትን ኣባላትን እቲ ኮሚሽን  ብሽም እቲ ፓርቲ ልዑል ምስጋንኡ ኣቕሪቡ።
​ኣብ ክልል ትግራይ ክሳብ ሐዚ ብሰንኪ እቲ ናይ ኲናት ዜማን ጭፈራን ዝገብር ዘሎ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ይበፅሕ ብዘሎ ናይ ሂይወትን ናይ ፅባሕ ተስፋን ምትኣጉጓል ከም ዝሓዝን እውን ትዴፖ ኣብ መግለፂኡ ኣመላኺቱ።
​መንእሰያት ካብ ናይ ኲናት ዓውዲ ነፃ ክወፁን መንእሰያት ናይ ኲናት መጋበሪ ምዃን ከብቅዕን ይግባእ ዝበለ እቲ ውድብ፤ መንእሰይ ወለዶ ብናይ ባዕሉ ተበግሶ ብብስለትን ብጥበብን ርእሱ ካብ ናይ ኲናት ጥፍአት ዓውዲ ነፃ ዘውፅኣሉ ኣንፈት ክፈጥርን ክስዕብን ኣለዎ ኢሉ።
ናይ መናእሰይ ቦታ ግንባር ኲናት ዘይኮነስ ናይ ትምህርቲ ገበታ፣ ናይ ምርምር ማእከልን ናይ ልምዓት ሜዳን  ክኸውን ከም ዝግባእ እውን ገሊፁ።
​ካብ ናይ ኲናት ስግኣት ንምድሓን ኢሎም ናብ ዋና ከተማ ኣዲስ ኣበባን ናብ ካልኦት ክልላት ሃገርናን ዝውሕዝ ዘሎ መንእሰይ ሐዚ ኣብ ልዑል ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያዊ ስነ-ልቦናዊ ምንግልታዕ ከም ዝርከብ ኣመላኺቱ።
​ስለ ዝኾን ድማ ማሕበረሰብ፣ትካላት ፌዴራልን ክልላትን፣ሰብ ሃፍቲ፣ ኣካላት መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምኡ’ውን ሲቪክ ማሕበራት ኣብ ጎኒ እዞም ኣብ ፀገም ዘለዉ መንእሰያት ንክኾኑ ኣተሓሳሲቡ።
መናእሰይ ብፍልጠቶም ብሞይኦምን ብጉልበቶምን ሰሪሖም ርእሶም ንክመርሑ ግዝያውን ዘላቕን ናይ ስራሕ ዕድላት ብምፍጣር ሕውነቶም ንኸርእዩ  ፃውዒት ኣቕሪቡ።
​ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ዘጋጠምዋ ፈተናታት ብጥበብን ምስትውዓልን ሕሊፋቶ እያ ዝበለ ትዴፓ፤  ሎሚ እውን ብመስርሕ ሃገራዊ ምኽክርን ብናይ ሓባር ፃዕርናን ናይ ታሪክ ቁስልታትና ኣሕዊና ሰላም፣ፍትሕን ማዕርነትን ንኩሎም ዜጋታት ንክነረጋግፀሉ ሓዱሽ ጭላንጭል ይወግሐልና ኣሎ ይብል እቲ ውድብ ኣብ መግለፂኡ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም