ፖሊስ ዘበናዊ ቴክኖሎጂታትን ኣሰራርሓታትን ተጠቒሙ ሰላምን ድሕንነትን እታ ከተማ ብዘተኣማምን ኩነታት ከረጋግፅ ክኢሉ እዩ-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ - ኢዜአ ትግርኛ
ፖሊስ ዘበናዊ ቴክኖሎጂታትን ኣሰራርሓታትን ተጠቒሙ ሰላምን ድሕንነትን እታ ከተማ ብዘተኣማምን ኩነታት ከረጋግፅ ክኢሉ እዩ-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 9/2018 (ኢዜኣ) ፖሊስ ዘበናዊ ቴክኖሎጂታትን ኣሰራርሓታትን ተጠቒሙ ሰላምን ድሕንነትን እታ ከተማ ብዘተኣማምን ኩነታት ከረጋግፅ ከም ዝኸኣለ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።
ኮሌጅ ዩኒቨርሲቲ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ዝተረኸባሉ 2ይ ዙር ሕፁያት መኮንናት ሎሚ ኣመሪቑ።
ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብዚ እዋን ከም ዝበልኦ፤ ፖሊስ ዝለዓሉ ቴክኖሎጂታትን ዘበናዊ ኣሰራርሓታትን ኣብ ስራሕ ብምውዓል ሰላምን ድሕንነትን እታ ከተማ ብዘተኣማምን ኩነታት ምርግጋፅ ክኢሉ እዩ።
ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ዓርሱ ብሓይሊ ሰብ፣ ቴክኖሎጂን ኣሰራርሓን እናማዕበለ ከም ዝርከብ ብምሕባር፤ እቶም ናይ ሎሚ ተመረቕቲ እውን ኣካል እዚ ሪፎርም እዮም ኢሎም።
ሰልጠንቲ ኣብ እዋን ስልጠና ዝረኸብዎ ፍልጠት ተጠቒሞም ህዝቦም ብተኣማንነትን ቅንዕናን ንከገልግሉ እውን ኣገንዚቦም።
ኣዛዚ ላዕለዋይ መምርሒ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ሌተናል ጀነራል ኣስራት ደኔሮ ብግደኦም፤ ኣብታ ከተማ ዘተኣማምን ሰላም ምርግጋፅ ዘኽእል ሰፊሕ ትካላዊ ሪፎርም ከም ዝገበረ ኣረዲኦም።
ኣብዚ ዓመት ዝተኻየዱ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ፣ ህዝባዊ፣ ሃይማኖታውን ባህላውን በዓላት፣ ዓበይቲ ስፖርታዊ ውድድራትን ዓለም ለኻዊ ጉባኤታትን ብሰላም ከም ዝተሳለጡ ተዛሪቦም።
እዚ ድማ ብንቑሕ ተሳትፎ እቲ ህዝቢ፣ ደገፍ እቲ ምምሕዳር ከተማን ምውዳድ ኣካላት ፅጥታን ዝተረኸበ ውፅኢት ከም ዝኾነ ገሊፆም።
ነቶም ተመረቕቲ መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ብምትሕልላፍ፤ ካብ ስልጠንኦም ዝረኸብዎ ፍልጠት፣ ክእለትን ፖሊሳዊ ስብእናን ተጠቒሞም ህዝቢ ብቕንዕናን ብተኣማንነትን ንከገልግሉ እውን ኣተሓሳሲቦም።
ሓላፊ ኮሌጅ ዩኒቨርሲቲ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ረዳት ኮሚሽነር ሰለሞን ፋንታሁን፤ ተመረቕቲ ብንድፈ ሓሳብን ብስልጠናን፣ ኦፕሬሽን ውሽጢ ከተማ፣ ንባብ ካርታን ኣጠቓቕማ ጂፒኤስን ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ተግባራዊ ትምህርቲ ከም ዝተምሃሩ ሓቢሮም።