እቲ ጉባኤ ምኽክር ሓዱሽ ምዕራፍ ዝኸፈተን ሃገራዊ ምርድዳእ ዘጠናኽርን ዓብይ መድረኽ እዩ-ተመኻኸርቲ - ኢዜአ ትግርኛ
እቲ ጉባኤ ምኽክር ሓዱሽ ምዕራፍ ዝኸፈተን ሃገራዊ ምርድዳእ ዘጠናኽርን ዓብይ መድረኽ እዩ-ተመኻኸርቲ
ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 9/2018 (ኢዜኣ) እቲ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ሃገራዊ ምኽክር ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ሓዱሽ ምዕራፍ ዝኸፈተን ሃገራዊ ምርድዳእ ዘጠናኽርን ዓብይ መድረኽ ከም ዝኾነ ተመኻኸርቲ እቲ ጉባኤ ተዛሪቦም።
ጉባኤ ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ካብ 8 ሓምለ 2018 ዓ/ም ጀሚሩ ኣብ ዓለም ለኸ ማእኸል ኮንቬንሽን ኣዲስ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ።
ኢዜኣ ካብ ዘዘራረቦም ተመኻኸርቲ ተስፋዬ ደጀኔ ከም ዝበልዎ፤ ኣብታ ሃገር ሓዱሽ ምዕራፍ ዝኸፈተ ከይዲ ሃገራዊ ምኽክር ብፅቡቕ ኩነታት እናተሳለጠ እዩ ዝርከብ።
እቲ ምኽክር ንዝፀንሑ ፀገማት ብሓባር መፍትሒ ንምቕማጥ ዘኽኣለ ሓዱሽ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ከም ዝኾነ እውን ሓቢሮም።
ኣብቲ ምኽክር ብርክት ዝበሉ ተሞኩሮታት ከም ዝተወሰዱን ንዝነበሩ ፀገማት መፍትሒ ሓሳባት ከም ዝቐረቡን ገሊፆም።
ካሊእ ተመኻኻሪ ኢብሳ ኢብራሂም ብግደኦም፤ ከይዲ እቲ መድረኽ ምኽክር ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ፈላማይን ኣወንታዊ ስራሕን ከምኡ እውን ሃገራዊ ምርድዳእ ዘጠናኽር እዩ ኢሎም።
እቲ ምኽክር ሓረስቶት፣ኣርባሕቲ፣ጉዱኣት ኣካል፣ደቂ ኣንስትዮን መናእሰይን ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ብሰፊሑ ዘሳተፈ ስለዝኾነ እቲ ከይዲ ዝተማልአን ሓቛፍን ከም ዝኾነ ዝገለፁ ድማ ካሊእ ተመኻኻሪ ቦጋለ ሰይዳ እዮም።