ኣባላት ካልኣይ ትውልዲ ዲያስፖራ ኢትዮጵያውያን ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም

ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 9/2018 (ኢዜኣ) ካልኣይ ትውልዲ ኢትዮጵያውያን፣ሰገናት ህፃናትን ቤተሰቦምን ዝሓቖፈ ኣባላት ዲያስፖራ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም።

እቶም ኣባላት ዲያስፖራ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ ብኣገልግሎት ዲያስፖራ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኣቀባብላ ተገይርሎም።

እቶም ኣባላት ዲያስፖራ ካልኣይ ትውልዲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝህልዎም ፃንሒት ሓደ ወርሒ ውድድር ስፖርት ከም ዝገብሩን ዝተፈላለዩ ከባብታት ከም ዝጉብንዩን እውን ተገሊፁ።

እቲ ዑደት ነቶም ሰገናት ብዝበለፀ ሃገሮም ንክፈልጡን ንክርድኡን ከም ዝገብር እውን ተሓቢሩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም