ሕቶ ዋንነት ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ብመነፅር ታሪኽ እንትረአ ግልፅን ዘየሻምን እዩ

ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 9/2018 (ኢዜኣ) ሕቶ ዋንነት ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ብመነፅር ታሪኽ እንትረአ ግልፅን ዘየሻምን እዩ ሙሁራን ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያ ሃፍትታት ተፈጥሮኣን ፖሊሲ ጉዳይ ወፃኢኣን ንልምዓት ተሓዳሲ ሓይሊ፣ ዞባዊ ምትሕብባር፣ ሓባራዊ ዕቤትን ልምዓትን ንምውዓል ግንባር ቀደም እጃም ኣለዋ።

ቀዳምነት ንጎረቤት ሃገራት ዝብል ፖሊሲ ጉዳይ ወፃኢ ኢትዮጵያ ሃገራት እቲ ዞባ ብመሰረተ ልምዓት ብምትእስሳር ሓባራዊ ሰላምን ብልፅግናን ምርግጋፅ ዘኽእል እዩ።

ተመራማሪ ታሪኽ ፕሮፌሰር ኣህመድ ዘካሪያ ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፤ ሕቶ ዋንነት በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ብመነፅር ታሪኽ እንትረአ ግልፅን ዘየሻምን እዩ ኢሎም።

ኣጠቓቕማ ዝርገሐ ሃፍትን ሃፍቲ ተፈጥሮን ብዝምልከት እውን ኢትዮጵያ ምስ ኣፍሪካውያን ብሓባር ብምጥቃም ኣህጉራዊ ምትሕብባር ንምጥንኻር ድሌት ከም ዘለዎ ሓቢሮም።

ኣፍሪካውያን ሃፍቲ ተፈጥሮኦም ብሓባርን ብሕውነታዊ ስምዒትን ክጥቀሙ ከም ዘለዎም ብምሕባር፤ ኢትዮጵያ እቲ ዞባ ብማይን ሓይልን ከም ዘተኣሳሰረት ገሊፆም።

ነበር ህወሓትን ሻዕብያን ጉጅለኣዊ ረብሓኦም ንምኽባር ብዝፈጠርዎ መግለሊ ኣካይዳ ኢትዮጵያ ካብ በሪ ባሕሪ ንክግለል ተገይራ እያ ኢሎም።

ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ እዋን ረብሓኣ ዘኽብሩ ዲፕሎማሲያዊ ፃዕርታት እናገበረት ከም ዝኾነት ኣረዲኦም።

ስለ ዝኾነ ድማ ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ የድልያ እዩ ዝብል መሰረታዊ ሓቅን ድሌትን ብዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ኣወንታዊ ምላሽ እናረኸበ ከም ዝኾነ ተዛሪቦም።

ሃገራት እቲ ዞባ ብምትሕብባር ዓቕመን ምጥንኻርን ሓባራዊ ልምዓትን ዕቤትን እውን ምርግጋፅን ይግበአን ኢሎም።

ኣብ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ዳይሬክተር ዲጂታል ዲፕሎማሲ ስለኣባት ማናየ ንኢዜኣ ከም ዝበልዎ፤ ፖኪሲ ጉዳይ ወፃኢ ኢትዮጵያ ዞባውን ኣህጉራውን ምትሕብባር ታብ ምጥንኻር መሰረት ዝገበረ እዩ።

ኣባይ ሓዊሱ ሩባታታ መርኣያ ዞባዊ ምትእስሳር፣ ሓባራዊ ዕቤትን ምትሕብባርን ገይራ ከም ትሪኦም ብምግላፅ፤ በዚ ድማ ኣብቲ ዞባ ኣብ ተሓዳሲ ሓይልን ሓባራዊ ልምዓትን ዘለዋ መሪሕነት ኣረጋጊፃ እያ ኢሎም።

ብሽርሒ ፖለቲከኛታት ኣባይን ብናይ ባዕልና ድኽመትን ንዘበናት እናተጠቐመትሉ ዝፀንሐት ቀይሕ ባሕሪ ምስኣና እውን ሓቢሮም።

እዚ ታሪኻዊ ስሕተት ብምእራም ሕጋዊ መሰላ ንምኽባር ምንቅስቓስ ከም ዝተጀመረ ተዛሪቦም።

ስለ ዝኾነ ድማ ሕቶ ዋንነት በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ብዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ተቐባልነት እናረኸበ ከም ዝመፀ ብምግላፅ፤ ንሰላምን ኢኮኖሚያዊ ምትሕብባርን እቲ ዞባ ዝለዓለ ኣስተዋፅኦ ከም ዝህልዎ ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም