እዚ ፍሉይ ወፍርታት ንዝኾነ ጥቕዓት ቅልጡፍ ምላሽ ወሃብን ስግኣታት ቀዲሙ ምክልኻል ዝኽእልን መርኣያ ሓይሊ መላእ ሰራዊት እዩ-ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ - ኢዜአ ትግርኛ
እዚ ፍሉይ ወፍርታት ንዝኾነ ጥቕዓት ቅልጡፍ ምላሽ ወሃብን ስግኣታት ቀዲሙ ምክልኻል ዝኽእልን መርኣያ ሓይሊ መላእ ሰራዊት እዩ-ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ
ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 8/2018(ኢዜኣ) እዚ ፍሉይ ወፍርታት ብዝተፈለየ ወታደራዊ ጥበብ ብቕልጡፍ ቅልጡፍ ምላሽ ወሃብን ስግኣታት ቀዲሙ ምክልኻል ዝኽእልን ቀንዲ ስትራቴጂካዊ ሓይሊ ምክልኻል እዩ ክብሉ ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሓይልታት ሰራዊት ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ገሊፆም።
እቶም ኢታማዦር ሹም ኣብ መዛዘሚ ዘተ ኣፈፃፅማ ስራሕ በጀት ዓመት 2018 እዚ ፍሉይ ወፍርታት ተረኺቦም ብዛዕባ ወቕታዊ ሃገራዊ ኩነታት ንኣመርራሓ ሰራዊት መምርሒ ስራሕ ሂቦም።
ኢትዮጵያ ለውጢ ስርዓት ገይራ ገና ከይተረጋግዐት ባንዳታት ብዘብፅሑላ ጥቕዓት ኣብ ዝተፈተነትሉ እዋን ሰራዊት እዚ ፍሉይ ወፍርታት እቲ ዘንፀላለወ ሓደጋ ኣብ ምምካት ከቢድ ተጋድሎ ከም ዝፈፀመ ተዛሪቦም።
በዚ ምኽንያት እውን ቀያሪ ማርሽ ውግእ ድሮን ምድሪ ዝብል ስያመ ዝተውሃቦ ፍሉይ ሓይሊ ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ እዚ ሰራዊት ክሳብ ሕዚ ንሃገር ንዝኸፈሎ ዋጋ ኢትዮጵያ ከም ተኽብሮን ፅባሕ እውን እዚ ፍሉይ ብቕዓቱ ሒዙ ክቕፅል ከም ዘለዎን ኣመላኺቶም።
እቲ ሰራዊት መስዋእቲ ዝኸፈለን ዝኸፍል ዘሎን ሃገር ንምስጋር ከም ዝኾነ ብምሕባር፤ እዚ ድማ እቲ ሰራዊት ሃገር ካብ ግዳማዊ ፀላኢ ካብ ምክልኻል ሰላም ብምፅናዕ ህልውናና ተሓልዩ ዕቤት ንክቕፅል ዘኽእል መግለፂ ክብሪ ዜጋታት ገይርዎ እዩ ኢሎም።
ፀላኢ ኢትዮጵያ ዝኾነ ሻዕብያ ካብ መጀመርታ ጀሚሩ ኢትዮጵያ ካብ በሪ ባሕሪ ንምርሓቕ ምስ ታሪኻዊ ፀላእትና ፅምዶ ፈጢሩ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ሽርሒ ዝሰርሐ ሓይሊ እዩ ክብሉ ኣረዲኦም።
ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት እውን ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ኣሕሊፉ ዝሸጠን ን27 ዓመታት ስልጣን ሒዙ ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ ንክትስእን ኣጠናኺሩ ዝሰርሐን ሰራዊት ሃገሩ ዘጥቀዐ ሓይሊ ክሕደት ከም ዝኾነ ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ዋላ ኳ ብተደጋጋሚ ብክሕደት ህወሓት ዝተፈተነት እንተኾነት ይኹን እምበር ከም ሰራዊት ፍሉይ ወፍሪ ዝበሉ ጠንካራ ጀጋኑ ደቃ ስለ ዘለውዋ ፀኒዓ ጉዕዞኣ ከም ዝቐፀለት ኣብሪሆም።
እቶም ፅንፈኛታትን ሓይልታት ጥፍኣትን ኣብ ትሕቲ ስትራቴጂ ፀላእቲ ተሰሊፎም ኢትዮጵያ ንምድኻምን ንምፍራስን ፅምዶ ዝተብሃለ ጥምረት ሓንፂፆም ህዝብና ንስቓይን መከራን ብምቅላዕ ድኹምቲ ኢትዮጵያ ንምርኣይ ሃሪፎም ዋላ ኳ እንተሰርሑ እዚ ድሌቶም ግና ኣብ ዝኾነ እዋን ክዕወት ኣይኽእልን ኢሎም።
ህወሓት ንህዝቢ ኢትዮጵያ ብምክፍፋል ነንሕድ ሕዱ ንከይተኣማመን ክሰርሕ ዝፀንሐ እኩይ ፀረ ሃገር ሓይሊ ከም ዝኾነ እውን ሓቢሮም።
ሎሚ እቲ ሽርሒ ፈሺሉ ህዝቢ ትግራይ ሓዊሱ ብሓፈሻ ህዝቢ ኢትዮጵያ ክፉእ ስራሕ እዚ መሰሪ ጉጅለ ተረዲእዎ እዩ ኢሎም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ህወሓት ንሻዕብያ እናተለኣኣኸን ናይ ቀደም ፀላእቱ ፅንፈኛታት ሸኔን ፋኖን ሓቚፉ ናይ ትማሊ ክሕደቱ ኣብ ኣደባባይ እናደገሞን ከም ዝርከብ ኣረዲኦም።
ኢትዮጵያ ብጀጋኑ ደቃ በቲ ዝጀመረቶ ዕቤትን ብልፅግናን ንቕድሚት ክትቕፅል እያ፤ ሕልሚ ታሪኻዊ ፀላእታ ኣይዕወትን ክብሉ እውን ተዛሪቦም።
እዚ ፍሉይ ወፍርታ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብዕጥቅን ብህንፀት ሓይሊ ሰብን ኣብ ዝለዓለ ብርኪ ከም ዝበፅሐ ብምዝኽኻር፤ ንናይ ሰፈር ባንዳታት ጥራሕ ዘይኮነስ ብዝኾነ ኣንፈት ኣብ ልዕሊ ሃገር ንዝሕሰብ ጥዕዓት ቅልጡፍ ምላሽ ንምሃብ ኣብ ዘተኣማምን ድሉውነት ከም ዝርከብ ምግላፆም እውን ካብ ኦንላይን ሚድያ ምክልኻል ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።