ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ከም ንብረቱ እዩ ዝቖፅሮ-ኮሎኔል ገብረዋህድ ሃይሉ

ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 8/2018(ኢዜኣ) ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ከም ንብረቱን ባርይኡን እዩ ዝቖፅሮ ክብሉ ኮሎኔል ገብረዋህድ ሃይሉ(ወዲ ጉዐይ) ገሊፆም።

ኮ/ል ወዲ ጉዐይ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ብዝምልከት ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፤ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ብሽም ፅምዶ ንዕላማ ሻዕብያን ግብፅን መንእሰይ ትግራይ ኣብ ምሻጥን ኢትዮጵያ ኣብ ምሕማስን ከም ዝተዋፈረ ሓቢሮም።

ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ንህዝቢ ትግራይ ካብ ጥፍኣት ዘድሓነ ፍሉይ ፀጋ እዩ ዝበሉ ኮሎኔል ገብረዋህድ፤ ይኹን እምበር ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ሙሉእ ብሙሉእ ተግባራዊ ክኸውን ኣይከኣለን ኢሎም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ትግራይ ህዝቢ ዘሳቒ፣ መናእሰይ እናገፈፈ ናብ ግዳማዊ ሓይልትታ ዝሸጥን ኣዴታት ዝኣስርን ዘጋፍዕን ጉጅለ እምበር ስርዓትን ሕጋዊ መንግስትን ከምዘየለ እውን ኣረዲኦም።

ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት መሳርሒ ግዳማዊ ሓይሊ ብምዃን ኢትዮጵያ ንምፍራስ ኣንፃር ሕገ መንግስቲ፣ ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያን ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያን እናተንቀሳቐሰ ከም ዝርከብ ተዛሪቦም።

መራሕትን ወነንትን ፅምዶ ግብፅን ሻዕብያን እዮም ዝበሉ ኮ/ል ገብረዋህድ፤ እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ድሑር ጉጅለ ድማ ተለኣኣኽን ፈፃምን ዕላማ እዞም ሓይልታት እዩ ኢሎም።
ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ሻዕብያ ኣብ ዝፀገሞ እዋን ዝጥቀመሉ ምሕሳብ ዘቋረፀ ጉጅለ ከም ዝኾነ ብምሕባር፤ ሻዕብያ ይትረፍ ዶ ንተጋሩን ኢትዮጵያውያንን ንህዝቡ እውን ኣዝዩ ጨካንን ጨና ዲሞክራሲ ዘይፈልጥን ሓይሊ ከም ዝኾነ እውን ገሊፆም።

ሻዕብያ ኣብ እዋን ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ዝፈጠሮ ዕድል ተጠቒሙ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ከቢድ በደልን ዕንወትን ከም ዘብፀሐ ብምሕባር፤ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ እውን ኣብቲ እዋን ሰራዊት ሻዕብያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ በደል እንተብፅሕ ንምንታይ ኢሉ መስዋእቲ ዝኸፈለ ሰራዊት እዩ ኢሎም።

መራሕቲ እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ብግዳማዊ ፀላእቲ እናተኣዘዙ ንህዝቦምን ንባዕሎምን ዘጥፍኡ ዘለዉ ምሕሳብ ዝተስኣኖም ኣካላት ከም ዝኾኑ ኣብራህሪሆም።

ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ከም ባርይኡን ንብረቱን እዩ ዝሪኦ ዝበሉ ኮ/ል ገብረዋህድ፤ ነዚ እዩ ድማ ህፃናት እውን ከይተረፈ ካብ ሕቑፊ ኣዴታቶም ገፊፉ ንግዳማዊ ሓይልታት ዝሸጦም ዘሎ ክብሉ ኣረዲኦም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን መላእ ህዝቢ ትግራይ ነቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ከም ዘይቕበሎን ኣዝዩ ከም ዝተፀየፎን ብምግላፅ፤ እቲ ህዝቢ ዝገብሮ ዘሎ ቃልሲ ድማ መራሕን ደጋፍን ከም ዘድልዮ ፀሪሖም።

ዓቕሚ ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ተጠቒምካን ኣብ ኢትዮጵያውነትካ ተኣማሚንካን ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ኣትይዎ ዘሎ ቅልውላው ምድሓን ከም ዝግባእ ብምግላፅ፤ መንግስቲ ፌዴራልን ኢትዮጵያውያንን እውን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምድሓን ክሰርሑ ኣለዎም ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም