ቃልሲ ፀረ-ሙስና ቀዋሚ ኣጀንዳ ህዝብን መንግስትን ኮይኑ ክቕፅል ይግባእ - ምክትል ኣፈ-ጉባኤ ሎሚ በዶ

ኣዳማ (ኢዜኣ) ኣብ ኢትዮጵያ ቃልሲ ፀረ-ሙስና ቀንድን ዘላቕን ኣጀንዳ ህዝብን መንግስትን ኮይኑ ክቕፅል ከምዘለዎ ምክትል ኣፈ-ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ወይዘሮ ሎሚ በዶ ገሊፀን።

መዛዘሚ መድረኽ መበል 25 ዓመት በዓል ብር ኢዮቤልዩ ኮሚሽን ስነ-ምግባርን ፀረ-ሙስናን "ቃልሲ ፀረ-ሙስና ትማሊ፣ ሎምን ፅባሕን" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ኣዳማ ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ ተረኺበን መልእኽቲ ዘሕለፋ ምክትል ኣፈ-ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ወይዘሮ ሎሚ በዶ፤ ሎሚ እነኽብሮቃልሲ ፀረ-ሙስና ዝሓለፈ ንምዝካር ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ዘለናዮ ንምግምጋምን ንቕድሚት ንምረሓሉ ኣንፈት ንምውሳንን ዘኽእል እዩ ኢለን።

ኣብ ሃገራዊ ምኽክር ካብ ዝተቐመጡ ዋና ዋና ነጥብታት ምኽክር ሙስናን ጉዳያት ሰናይ ምሕደራን ኣብ ቅድሚት ዝተቐመጠ ኣጀንዳ ምዃኑ ብምልዓል፤ ቃልሲ ፀረ-ሙስና ናይ ሓደ ትካል ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ መላእ ህዝቢ ሓበራዊ ጉዳይ ህልውና ሃገር ምዃኑ ዘረጋገፀ እዩ ኢለን።

ኣብ ዝሓለፉ 25 ዓመታት እቲ ኮሚሽን ኣብ ሰለስተ ዋና ዋና መኣዝናት ቃልሲ ተመስሪቱ ክንቀሳቐስ ከምዝፀሐ ዘዘኻኸራ እተን ምክትል ኣፈ-ጉባኤ፤ ኣተሓሳስባ ዜጋታት ዝቐርፅ ህንፅት ስነ-ምግባር፣ ኣፍደገታት ስርቂ ዝዓፁ ቅድመ-ምክልኻል ሙስናን ጥፋተኛታት ናብ ሕጊ ናይ ምቕራብ ስራሕቲ እዮም ኢለን።

እዞም ሰለስተ መሰረታት ቃልሲ ፀረ-ሙስና ሐዚ እውን መኣዝናት ኾይኖም የገልግሎ ኣለዉ ብምባል ኣፍሊጠን።

እቲ ኮሚሽን ኣብ ጉዕዞ ስራሕ 25 ዓመታት ኣብ ህንፀት ስነ-ምግባር፣ ምክልኻል ሙስና፣ ግንዛበ ህዝቢ ምዕባይ፣ ኣብ ትካላት ምጥንኻር ዓቕሚ ፀረ-ሙስናን ምዝርጋሕ ስርዓት ተሓታትነትን ካብ ኩሉ ንላዕሊ ድማ ሙስና ዝፀልእ ማሕበረሰብ ኣብ ምፍጣር ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ኣሳሊጡ እዩ ኢለን፡።

ኣብዚ ሕዚ እዋን መንግስቲ ሙስና ንምቃላስ ዘመናዊን መዋቕራዊን ስራሕቲ ሪፎርም ብስፊሑ ተግባራዊ ይገብር ምህላዉ ብምሕባር፤ ብፍላይ ድማ ሃገራዊ ስርዓት መቐበሊ   ሓበሬታ ድምፂ ዜጋታት ብዘይ ስግኣት ክሰምዕ ገይሩ እዩ ኢለን።

ዲጂታል ስርዓት ሃፍቲ ማፍለጢን ምዝገባን አመራርሓን ሰራሕተኛታትን ትካላት መንግስቲ ሃፍቶም ንህዝቢ ግልፂ ክገብሩ ከም ዘኽኣለ ዝልዓላ እተን ምክትል ኣፈ-ጉባኤ፤ ብኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብን ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ (AI) ዝተደገፉ ኣሰራርሓታትን ንስርቂ ብዓቕሚ ቴክኖሎጂ ዘቃልዑ ሓደሽቲ ምዕራፋት ቃልሲ ምዃኖም እውን ገሊፀን።

ሙስና ናይ ገንዘብ ጉዳይ ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ስነ-ምግባር፣ ሞራል፣ ምሕደራ፣ ፍትሒ፣ ልምዓት፣ ህንጸት ሃገርን ወለዶን ጉዳይ ብምዃኑ ኩሉ ግዘ ቀዋሚ ኣጀንዳ ህዝብን መንግስቲን ኾይኑ ክቕፅል ከምዝግባእ ኣረዲአን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም