ሚዲያታት ግብፂ ብዛዕባ ግድብ ህዳሴ ምስ ናይ ባዕሎም ሳይንሳዊ ውፅኢት ሰብ-ሙያ ዝጋጮ ፀብፃባት የቕርቡ ኣለዉ - ጋዜጠኛን ፀሓፊን ዛሂድ ዚዳን - ኢዜአ ትግርኛ
ሚዲያታት ግብፂ ብዛዕባ ግድብ ህዳሴ ምስ ናይ ባዕሎም ሳይንሳዊ ውፅኢት ሰብ-ሙያ ዝጋጮ ፀብፃባት የቕርቡ ኣለዉ - ጋዜጠኛን ፀሓፊን ዛሂድ ዚዳን
ኣዲስ ኣበባ (ኢዜኣ)፦ ሚዲያታት ግብፂ ብዛዕባ ዓቢይ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ዘቕርብዎ ፀብፃባት ወጥነት ዘይብሉን ምስ ብርክት ዝበሉ ሳይንሳዊ ገምጋማት ሳይንቲስታትን ሰብ-ሙያ ማይን ግብፂ ዝጋጮ ምዃኑ ጋዜጠኛን ፀሓፊን ዛሂድ ዚዳን ገሊፆም።
ንኢዜኣ ርእይትኦም ዝሃቡ ዛሂድ፤ ኣብ ዙርያ ግድብ ሕዳሴ ዝግበሩ ክትዓት ኣብ ሳይንሳዊን ቴክኒካዊን ትንተናታት ካብ ምትካር ብዘይንፁርን ባዕሉ ንባዕሉ ዝጋጮን ተረኻት መራኸቢ ሓፋሽ ዝምርሑ ምዃኖም ተዛሪቦም።
በዓል ሞያ ጂኦሎጂ ግብፂ ዶክተር ኣባስ ሸራቂ እቲ ግድብ ብተፈጥሮኡ ኣብ ግብፂ ምንም ዓይነት ጉድኣት ከምዘየበፅሕ ብግልፂ ካብ ዘረድኡ ሰብ ሞያታት እታ ሃገር ሓደ ምዃኖም ጋዜጠኛ ዛሂድ ጠቒሶም።
ካልእ ሳይንቲስት ግብፂ ዶክተር ሳመህ ኣርማኒዮስ ድማ፤ ግድብ ህዳሴ ኣብ ዋሕዚ እቲ ሩባ ምንም ዓይነትሕፅረት ማይ ከይፈጠረ ኤሌክትሪክ ኣመንጭዩ እቲ ማይ ብቐጥታ ናብቲ ሩባ ዝምለሰሉ ናይ ሃይድሮ ኤሌክትሪክ ፕሮጀክት ምዃኑ ከምዘብርሁ ገሊፆም።
ብተመሳሳሊ ሳይንቲስት ህዋ ዶክተር ፋሩክ ኤል-ባዝ እቲ ግድብ ዝሓሸ ምሕደራ ማይ ንኽህሉ ብምግባር ረብሓ ኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነስ ረብሓ ሱዳንን ግብፅን እውን ንምሕላው ከምዝሕግዝ ምሕባሮም ዛሂድ ኣብሪሆም።
ጋዜጠኛን ፀሓፊን ዛሂድ ከም ፕሮፌሰር ሰይፍ ኣል-ዲን ሀማድን ነበር ሚኒስትር ማይን መስኖን ሱዳን ኡስማን ኣል-ቶምን ዝበሉ በዓል ሞያታት ሱዳን ብምጥቃስ፤ ብዛዕባ ሩባ ኣባይ ኣብ ዝግበሩ ዘተታት ብፖለቲካዊ ዓውዓውታ ዘይኮነስ ኣብ ሳይንሳዊን ዝተረጋገፁ ሓበሬታታትን ዝተመሰረተ ትንተና ምግባር ኣድላዪ ምዃኑ ከምዘተሓሳሰቡ ገሊፆም።
ሓደ ሓደ መራኸብቲ ሓፋሽ ግብፂ ነቲ ግድብ ሓደ እዋን ምስ ውሕጅን ዕንወት መሰረተ-ልምዓትን ብምትሓዝ፣ ልእ እዋን ድማ ምቕናስ መጠን ማይን ድርቅን የስዕብ እዩ ብምባል ዝከስሉ መገዲ ሙሉእ ንሙሉእ ነንባዕሉ ዝጋጮ ሓሳብ እዩ ኢሎም።
ዛሂድ ወሲኾም ከምዝበልዎ፤ እቲ ግድብ ኣብ ሃገራት ታሕተዋይ ተፋሰስ ሓደጋ ኣለዎ እዩ ዝብሉ ክስታት ፖለቲከኛታትን መራኸቢ ሓፋሽን ፖለቲካዊ ድልየት ዝሓዙ እምበር ዝኾነ ዓይነት ሳይንሳዊ መሰረት ዘይብሎም እዮም።
እዙይ ዓይነት ዝተሰሓሓተ ተረኽ ኢትዮጵያ ናብተን ሃገራት ተፋሰስ ካብ ዝውሕዝ ማይ ናይል 86 ሚኢታዊ ብፅሒት ካብ ዘለዎ ሩባ ኣባይ ተፈጥሮኣዊ ሃፍታ ናይ ምልማዕ መሰላ ንምትዕንቓፍ ንብዙሓት ዓሰርተታት ዓመታት ክካየድ ዝፀንሐ ኣካይዳ ምዃኑ እውን ኣረዲኦም።
ሓፈሻዊ ዓመታዊ መጠን ማይ ሩባ ኣባይ ኣብ እዋን ክረምቲ ሽዑንሽዑ ክፍለጥ ዘይክእል ብምዃኑ፣ ብዛዕባ መጠን እቲ ማይ ኣቐዲምካ ድምዳመ ምሃብ ኣይክኣልን እዩ ኢሎም ጋዜጤኛ ዛሂድ።
መራኸቢ ሓፋሽ ግብጺ ካብ ፖለቲካዊ ኣውያት ብምውፃእ ኣብ ሳይንሳዊ መፅናዕትታት ሓበሬታታትን ዝተመርኮሱ ሚዛናዊ ፀብፃብ ከቕርቡ ፃውዒት ኣቕሪቦም።