ኢትዮጵያ ዓቕሚ ምፍራይ ተሓዳሲ ሓይሊ ብምዕባይ ማእኸል ሓይሊ እዚ ዞባ ትኸውን ኣላ

ኣዲስ ኣበባ፤ ነሓሰ 8/2018 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ዓቕሚ ምፍራይ ተሓዳሲ ሓይሊ ብምዕባይ ማእኸል ሓይሊ እዚ ዞባ እናኾነት ትመፅእ ምህላዋ ሚኒስትር ማይን ኢነርጅን ኢንጅነር ሃብታሙ ኢተፋ (/) ገሊፆም።

ፀጋታት ልምዓት ማይ፣ ፀሓይ፣ ነፋስን ጂኦተርማልን ኢትዮጵያ ዓቕሚ ምፍራይ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምዕባይ ዘኽእል ምችው ኩነታት ይፈጥሩ ኣለዉ።

ፀብለልታዊ ጉዕዞ ተሓዳሲ ሓይሊ ምፍራይ ኤሌክትሪ ምስ ልምዓት፣ ዕብየት ኢኮኖምን፣ ዕብየት ኢኮኖሚ ድማ ምስ ዞባዊ ምትእስሳር እናወሃሃደ ዝርከብ ሽቶ ህንፀት ሓምለዋይ ኢኮኖሚ እዩ።

ሚኒስትር ኢንጅነር ሃብታሙ ኢተፋ (/) ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ልምዓት ተሓዳሲ ሓይሊ ኢትዮጵያ ብፀቕፂ ለውጢ ኩነታት ኣየር ዘይስዓር ዘላቒ ኢኮኖሚ ክትሃንፅ የኽእላ ኣሎ።

ምንጭታት ተሓዳሲ ሓይሊ ብምውዳድ ዝካየድ ልምዓት እውን ዕብየት ኢንዱስትሪ፣ ሕረሻ፣ ልምዓት ከተማን ዲጂታል ኢኮኖምን ዘፋጥን መሰረተ-ልምዓት ሓይሊ ይህነፅ ምህላዉ ገሊፆም።


 

በዙይ ድማ ናይ ማይ፣ ፀሓይ፣ ነፋስን ጂኦተርማልን ሃፍትታት ብምልማዕ ናይ ኤሌክትሪክ ሓይሊ ምንጭታት፣ ድሕንነትን ዘላቕነትን ብምዕባይ ናይ ኢኮኖሚ መሰረት ምፍጣር የኽእላ ምህላዉ ተዛሪቦም።

ብፍላይ ድማ ብምትሕብባር ዜጋታትን ብዓቕሚ ሃገርን ዝተሃነፀ ግድብ ህዳሴ ኣብ ታሪኽ ልምዓት ሓይሊ ኢትዮጵያ ሓዱሽ ምዕራፍ ከምዝኸፈተ ኣብሪሆም።

ግድብ ህዳሴ ድልየት ዓቕሚ ቐረብ ሓይሊ ኢትዮጵያ ንምምላእ ካብ ምሕጋዙ ብተወሳኺ፣ ሓይሊ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ብምልኣኽ ዞባዊ ምትእስሳር ኢኮኖሚ ንምጥንኻር ሓዱሽ ዕድል ከምዝፈጠረ ኣረዲኦም።


 

ስትራቴጂካዊ ፀጋታት ተፈጥሮ ብምልማዕ ናይ ባዕላ ደሕንነት ሓይሊ ካብ ምርግጋፅ ብተወሳኺ ንምትእስሳር ምብራቕ ኣፍሪካን ኢኮኖሚ ውህደትን ዝሕግዝ ሓዱሽ ምዕራፍ እናሃነጸት እያ ኢሎም።

ንኣብነት እውን ምስ ጅቡቲ፣ ኬንያን ካልኦት ጎረባብትን ዘሎ ምትእስሳር ሓይሊ ብምስፋሕ ሓበራዊ ዕብየትን ብልፅግናን ዘጎልብቱ ስራሕቲ ይስርሑ ምህላዎም ተዛሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም