ኢትዮጵያ ስሩዕ ዘይኮነ ፍልሰት ንምክልኻል ብትኹረት ትሰርሕ ኣላ

ኣዲስ ኣበባ፤ ነሓሰ 8/2018 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ስሩዕ ዘይኮነ ፍልሰት ንምክልኻል ብትኹረት ትሰርሕ ከም ዘላ ሚኒስትር ደቂ-ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኤርጎጌ ተስፋዬ (/) ገሊፀን።

ኢትዮጵያን ማላዊን ዘይሕጋዊ ዝውውር ደቂ-ሰባት ብሓባር ንምክልኻል፣ ድሕንነት ዜጋታት ንምሕላውን ምሕደራ ስደት ንምጥንኻርን ዝሕግዝ ስምምዕነት ምርድዳእ ተፈራሪመን።

እቲ ስምምዕነት ሚኒስትር ደቂ-ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኤርጎጌ ተስፋዬ (/) ሚኒስትር ድሕንነት ሃገር ውሽጢ ማላዊ ፒተር ሙኪቶን ተፈራሪሞምዎ።

ኣብዚ እዋን ሚኒስትር ኤርጎጌ ተስፋዬ (/) ከምዝገለፃኦ፤ ክልቲአን ሃገራት ንነዊሕ እዋን ዝፀንሐ ምሕዝነትን ክልተኣዊ ርክብን ኣለወን።

እቲ ስምምዕነት እውን ርክበን ናብ ዝለዓለ ብርኪ ዘሰጋግር ምዃኑ ብምጥቃስ፤ እቲ ስምምዕነት መረብ ገበነኛታት ንምፍራስ ዓብዪ ተራ ከምዝፃወት ገሊፀን።

ኢትዮጵያ ስሩዕ ዘይኮነ ፍልሰት ካብ መበገሲኡ ንምቕራፍ ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ዝምራሕ ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ኣጣይሻ ብትኹረት ትሰርሕ ምህላዋ እውን ጠቒሰን።

ሚኒስትር ድሕንነት ሃገር ውሽጢ ማላዊ ፒተር ሙኪቶ፤ ዘይሕጋዊ ዝውውር ደቂ-ሰባት ዶብ ተሻጋሪ ገበን ብምዃኑ ሃገራት ብሓባር ክቃለሳኦ ከምዝገብአን ገሊፆም።

እቲ ዝተፈረመ ስምምዕነት እውን ክልቲአን ሃገራት ኣብ ምሕደራ ስደትን ምክልኻል ዘይሕጋዊ  ዝውውር ደቂ-ሰባትን ጠንካራ ስራሕ ክሰርሓ ዘኽእል ምዃኑ ኣብሪሆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም