መንግስቲ መደመር ዝፈጠሮም ሰናይ ዕድላት ብምጥቃም ብልሹው ኣሰራርሓታት ምውጋእ ይግባእ

ኣዳማ፤ ነሓሰ 8/2018 (ኢዜኣ) መንግስቲ መደመር ዝፈጠሮም ሰናይ ዕድላት ብምጥቃም ብልሹው ኣሰራርሓታት ምውጋእ ከም ዝግባእ ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ዴሞክራሲ ኣይተ እውነቴ ኣለነ ገሊፆም።

መዛዘሚ መድረኽ መበል 25 ዓመት በዓል ብር ኢዮቤልዩ ኮሚሽን ስነ-ምግባርን ፀረ-ሙስናን "ቃልሲ ፀረ-ሙስና ትማሊ፣ ሎምን ፅባሕን" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ኣዳማ ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ መኽፈቲ ዘረባ ዘስምዑ ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ዴሞክራሲ ኣይተ እውነቴ ኣለነ ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ቃልሲ ፀ ሙስና ምክልኻል፣ ምርመራን ክስን ኣብ ሓደ ትካል ብምግባር ይስራሕ ከምዝነበረ ኣዘኻኺሮም።

ይኹን እምበር እቲ ምንቅስቓስ ህዝቢ በዓል ዋና ቃልሲ ዘይገበረ፣ ስራሕ ምክልኻል ሙስና ዝረስዐን ንህንፀት ስነ-ምግባር ወለዶ ቦታ ዘይህብን ነይሩ ኢሎም።

ኣብ ካልኣይ ምዕራፍ፣ ካብ መበገሲ ሚሊኒየም ጀሚሩ ክሳብ ለውጢ ዝመፀሉ እዋን ዝነበረ ግዜ ብስም ልምዓታዊ መንግስቲ ዝለዓለ ኢድ ኣእታውነት ዝተገብረሉን ሙስና ብዝለዓለ ኩነታት ዝተስፋሕፈሓሉን ከምዝነበረ ኣልዒሎም።


 

በዘይ ምኽንያት ድማ ዓቢዪ ህዳሰ ግድብ ሓዊሲ ዝተፈላለዩ ሜጋ ፕሮጀክትታት መንግስቲ  ብምኽንያት ሙስናን ስርቅን ንዝለዓለ ፀገም ተቓሊዖም ከምዝነበሩ ሓቢሮም።

ኣብ ሳልሳይ ምዕራፍ፣ ማለት ካብ መበገሲ ሃገራዊ ለውጢ ጀሚሩ ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘሎ እዋን ኣብ ቃልሲ ፀረ ሙስና መሰረታዊ ለውጢ ከምዝተገብረ ገሊፆም።

ኣብቲ ኮሚሽን ካብ ዝተገበሩ ምምሕያሻት እቲ ሓደን ቀንድን ምምሕያሽ ሕጊ ምዃኑ ብምልዓል፤ ሙስና ብሓደ ትካል ጥራሕ ክትቃለሶ ስለዘይከኣል ኩሎም ትካላት መንግስቲ ዋናታት ናይቲ ቃልሲ ክኾኑ ከምዝተገብረ ኣብሪሆም።

ኣብ ሞንጎ ሰለስቲኦም ኣካላት መንግስቲ ድልዱል ምልውዋጥ ሓበሬታ፣ ጠንካራ ምትእስሳርን ምውዳድን ክፈጥር ዝኽእል ለውጢ ተገይሩ እዩ ኢሎም።

እዙይ ድማ ስርዓታዊን መንግስታዊን ሙስና መሰረት ከይሕዝን ከይፈጠርን ንምግባር ዝሕግዝ ዘተባብዕ ፖለቲካዊ ቆራፅነት ዝተራእየሉ ምዃኑ ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም