ሃገራዊ ጉባኤ ምኽክር ኢትዮጵያውያን ኣብ ሃገራዊ ኣጀንዳታቶም ብሓባር ዝመኽርሉ ዕድል ፈጢሩ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ሃገራዊ ጉባኤ ምኽክር ኢትዮጵያውያን ኣብ ሃገራዊ ኣጀንዳታቶም ብሓባር ዝመኽርሉ ዕድል ፈጢሩ እዩ
ኣዲስ ኣበባ፤ ነሓሰ 8/2018 (ኢዜኣ)፦ ሃገራዊ ጉባኤ ምኽክር ኢትዮጵያውያን ኣብ ሃገራዊ ኣጀንዳታቶም ብሓባር ዝመኽረሉ ዕድል ምፍጣሩ ተመኻከርቲ ገሊፆም።
ኣብ ኢትዮጵያ ንዘመናት ክፈታተኑዋ ዝፀንሑ ታሪኻዊ፣ ፖለቲካዊ፣ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ፍልልያትን ዘይምርድዳእን ኣብ ዙሪያ ጠረጴዛ ብምይይጥ ንምፍታሕ ዘኽእል ዕድል ተፈጢሩ እዩ።
ሃገራዊ ጉባኤ ምኽክር እውን ዜጋታት ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት ሓባራዊ ምርድዳእ ክፈጥርሉ ዝኽእልሉ ታሪኻዊ ምዕራፍ ከፊቱ እዩ።
ብመሰረት እዙይ ሃገራዊ ጉባኤ ምኽክር ኢትዮጵያ ካብ 8 ሓምለ 2018 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ዓለም-ለኸ ማእኸል ኮንቬንሽን ኣዲስ ክካየድ ፀኒሑ ኣብ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ በፂሑ ይርከብ።
ተመኻኻሪ ሃገራዊ ጉባኤ ቀሺ ተሻለ ኣለባቸው ንኢዜኣ ከምዝገለፅዎ፤ እቲ ጉባኤ ኣብ ሃገራዊ ኣጀንዳታት ብሰፊሑ እናመኸረ እዩ።
በቢብርኩ ዝርከቡ ክፋላት ማሕበረሰብ ዝተሳተፉሉ፣ ብዙሕነት ሓሳብ ዝተኣናገደሉ ሓቛፋይን ኣሳታፊን ምዃኑ ገሊፆም።
እቲ ምኽክር ንዘመናት ምንጪ ምፍልላይ ኢትዮጵያውያን ኾይኖም ዝፀንሑ ኣጀንዳታት ዝሓዘ ምዃኑ ብምግላፅ፤ ንሃገር ዝጠቕሙ ሓሳባት ዝንሸራሸርሉ እዩ እውን ኢሎም።
ኢትዮጵያ ናብ ዝሓሸ ምዕራፍ ንምስግጋር ዝተጀመረ ምኽክር ፀገማት ካብ ምፍታሕ ሓሊፉ ንዝቕፅል ወለዶ ተመክሮ ዝወስደሉ ምዃኑ ገሊፆም።
ኢትዮጵያውያን ኣብ ዓድዋን ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝፀሓፍናዮ ዘኹርዕ ታሪኽ ኣብዚ ምኽክር ብምድጋም ንወለዶ ኣሰር ኣንቢርና ሓሊፍና ኢና ክብሉ ተዛሪቦም፡፡
ተመኻኻሪት ድንቅነሽ ኡባራ ብወገነን፤ ኣብቲ ሃገራዊ ጉባኤ ምኽክር ተመኻኸርቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጀንዳታት ንሃገር ይጠቕም እዩ ዝበልዎ ናይ ባዕሎም ሓሳብ ምግላፆም ብምሕባር፤ እቲ ጉባኤ ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት ሓባራዊ መፍትሒ ምቕማጥ ከምዝኽኣል ኣመላኺቱ እዩ ኢለን።
እቲ ጉባኤ ዜጋታት ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጀንዳታት ብምኽኻር ዕንቅፋታት ኹለ መደያዊ ልምዓት ሃገር ብምሕላፍ ንመፃኢ ወለዶ ዝሓሸት ሃገር ንምረካብ ዘኽእል ምቹው ኩመነታት ምፍጣሩ ዝገለፃ ድማ ተመኻኻሪት ኣበራሽ ኣባይነህ እየን።
ተመኻኻርቲ ምድምማጽ ከም መትከል ብምውሳድ ንምኽክር ኣብ ዝተሓረዩ ኣጀንዳታት ሓድነት ዘጠናኽሩ ሓሳባት ከምዝሃቡ ብምግላፅ፤ ሃገር ዘፅንዕ መፍትሒ ክምፅእ ተስፋ ሰኒቐ ኣለኹ ኢለን።