እቲ ጉበኤ ምኽክር ብመሰረት ዝተትሓዘሉ ትልሚ ብዓወት እናተኻየደ እዩ-እቲ ኮሚሽን

ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 7 /2018(ኢዜኣ) ጉባኤ ሃገራዊ ምኽክር ብመሰረት ዝተትሓዘሉ ትልሚ ብዓወት እናተኻየደ ከም ዝኾነ ምክትል ዋና ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ሂሩት ገብረስላሴ ተገሊፀን።
ምክትል ዋና ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ሂሩት ገብረስላሴ እቲ ጉባኤ ምኽክር ብዝምልከት ንመራኸብቲ ሓፋሽ መግለፂ ሂበን።
ኣብ መግለፂአን፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ጉጅለ ኣባላት 500 በቢ ጉጅልኦም እናተዛተይሎም ኣብ ዝፀንሑ ኣጀንዳታት ኣብ ምርድዳእ ብምብጿህ ኣብቶም ምክረ ሓሳባት ፊርመኦም ብምዕራፍ እናዛዘሙ ከም ዝኾነ ተዛሪበን።
ኣብዚ ከይዲ ዘይምርድዳኣትን ጎንፅታትን ኣይነበሩን ማለት ኣይኮነን ዝበላ እተን ኮሚሽነር፤ ኣብ ሓሳባት ዝግበሩ ክርክራት ስብምህላዎም ድማ እቲ ምኽክር ክንደየናይ ኣድላይ ከም ዝኾነ ኣረጋጊፅናሉ ኢና ኢለን።
ኣብ መብዛሕቲኦም ሓሳባት ብምድምማፅ ናብ ሓባራዊ ሓሳብ ከም ዝበፅሑ ብምሕባር፤ ሕዚ 8ቲኦም ጉጅለታት ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ብምስምዕማዕ ስርሖም እናዛዘሙ ከም ዝርከቡ ኣረዲአን።
ኣብ ቀፃሊ እውን እዞም 8 ጉጅለታት ዝተረዳድእሎም ምክረ ሓሳባት ዘጠዓዕም(harmonize ዝገብር) ጉጅለ ከም ዝተጣየሸ ኣፍሊጠን።
እዚ ጉጅለ ካብ ሎሚ ድሕሪ ሰዓት ከም ዝጅምር እውን ገሊፀን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም