መራኸብቲ ሓፋሽ ማእኸል ስራሕቶም ብሄራዊ ረብሓ ክገብሩ ይግባእ

ኣዲስ ኣበባ፤ ነሓሰ 7/2018 (ኢዜኣ) መራኸብቲ ሓፋሽ ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያን ሰላም ህዝብን ማእኸል ስራሕቶም ክገብሩ ከም ዝግባእ ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ዴሞክራሲ ኣይተ እውነቴ ኣለነ ገሊፆም።

በዓል መዚ መራኽብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ምስ ዝተፈላለዩ ትካላት ስርዓት ሚዲያ ሬጉላቶሪ ንምጥንኻር ዘኽእል ስምምዕነት ምርድዳእ ተፈራሪሙ።

ነቲ ስምምዕነት ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ መራኽብቲ ሓፋሽ ሃይማኖት ዘለቀ ምስ ሓለፍቲ ስራሕ እቶም ትካላት ተፈራሪሞም እዮም።

ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ዴሞክራሲ ኣይተ እውነቴ ኣለነ ኣብዚ እዋን፤ መራኸብቲ ሓፋሽ ንህንፀት ሃገርን ወለዶን ዘይተካእ ተራ ኣለዎም ኢሎም።

እዚ ዘበን ሓሶት ሓበሬታ ብሰፊሑ ዝረኣየሉ፣ ጋዜጠኝነትን አክቲቪዝምን ዝተሓዋወሰሉ ከምዝኾነ ኣመላኺቶም።


 

ሃገርን ወለዶን ዝሃንፅ ዓቢይ መሳርሒ ንግጭት ይውዕል ከምዘሎ ብምልዓል፤ እዙይ እውን ንዓቕሚ ቁፅፅር ዲጂታል ሚዲያ ዝፈታተን ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኣሉታዊ ፅልዋ ዲጂታል ሚዲያ ምቁፅፃር ዘኽእል ፖሊሲ ከምዘድሊ እውን ተዛሪቦም።

ብሄራዊ ረብሓን ሰላምን ድሕንነትን ህዝቢ ማእኸል ስራሕቲ መራኸብቲ ሓፋሽ ክኾኑ ከምዘለዎም ብምሕባር፤ ነዙይ እውን ስርዓት ምፍጣርን ተሞክሮታት ምውሳድን ከምዘድሊ ኣገንዚቦም።

ኣዋጅ ነፃነት ሓበሬታ ካብቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ብዝሓሸ ኩነታት ከምዝተዳለወ ዝገለፁ ኣይተ እውነቴ ኣለነ፤ ትካላት ሓበሬታታት ንመራኸብቲ ሓፋሽ ክፍቲ ናይ ምግባር ግዴታ ከምዘለዎም እውን ኣመላኺቶም።

ንሰላምን ዕብየትን ሃገር ዝተዋደደ ፃዕሪ ምግባር ከምዘድሊ ብምልዓል፤ መራኸብቲ ሓፋሽ ነዚ ዕድል ብኣግባቡ ክጥቀማሉ ይግባእ ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም