ሚኒስቴር ፍትሒ መምርሒ ፍትሒ ቤተሰብ ኢትዮጵያ ዕላዊ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 7/2018 (ኢዜኣ) ሚኒስቴር ፍትሒ ምስ መሓዙት ኣካላት ዘዳለዎ መምርሒ ፍትሒ ቤተሰብ ኢትዮጵያ ዕላዊ ገይሩ።
እቲ መምርሒ ንቤተሰብ፣ህፃናትን ተቓላዕቲ ወገናትን ሓለዋ ሕግን ማሕበራዊ ፍትሕን ንምርግጋፅ ዝሕግዝ ከም ዝኾነ ተገሊፁ።
ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ፍትሒ የማነብርሃን (ዶ/ር) ከም ዝበልዎ፤ ኣብ ኣብያተ ፍትዲ ካብ ዝቐርቡ ብራብዓይ ብርኪ ዝለዓለ ብፅሒት ዝሕዙ ምስ ቤተሰብ ዝተኣሳሰሩ ጉዳያት እዮም።
ቤተሰብ መሰረት ሕብረተሰብ ስለዝኾነ መንግስቲ ሓለዋ ቤተሰብ ንምጥንኻር ትኹረት ከም ዝህብ እውን ገሊፆም።
እቲ መምርሒ ኣብ ቀለብ፣ኣተዓባብያን ዑደትን ህፃናት፣ምምሕዳር ንብረት፣ፍትሕን ክፍፍል ንብረትን ከምኡ እውን ምስ ጉዳያት ቤተሰብ ንዝተኣሳሰሩ ጉዳያት ሕጊ ዝመርሕን ዝድህስስን እዩ ኢሎም።
ንቤተሰብ፣ህፃናትን ተቓላዕቲ ወገናትን ሓለዋ ሕግን ማሕበራዊ ፍትሕን ንምርግጋፅ እውን ልዑል እጃም ከም ዝህልዎ ኣረዲኦም።
እቲ መምርሒ ካብ ዳያኑ፣ትካላት ትምህርትን መዳርግቲ ኣካላትን ብዝተውፃእፅኡ ሰብ ሞያ ኮሚቴ ብምጥያሽ ዝተዳለወ ከም ዝኾነ ሓቢሮም።
ከይዲ ምድላው እቲ መምርሒ እውን ኣብ መረዳእታን ተግባርን መሰረት ብዝገበረ ኣሰራርሓ ከም ዝተዳለወ ተዛሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም