እቲ ስምምዕነት ስራሕቲ ቁፅፅርን ዓቅሚ ህንፀትን መራኸብቲ ሓፋሽ ብዝተዋደደ መልክዑ ንምምራሕ ዘኽእል እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
እቲ ስምምዕነት ስራሕቲ ቁፅፅርን ዓቅሚ ህንፀትን መራኸብቲ ሓፋሽ ብዝተዋደደ መልክዑ ንምምራሕ ዘኽእል እዩ
ኣዲስ ኣበባ፤ ነሓሰ 7/2018 (ኢዜኣ)፦ በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ምስ ዝተፈላለዩ ትካላት ዝገበሮ ስምምዕነት ስራሕቲ ቁፅፅርን ዓቅሚ ህንፀትን መራኸብቲ ሓፋሽ ብዝተዋደደ መልክዑ ንምምራሕ ዘኽእል ምዃኑ ዋና ዳይሬክተር እቲ በዓል መዚ ሃይማኖት ዘለቀ ገሊፀን።
በዓል መዚ መራኽብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ምስ ዝተፈላለዩ ትካላት ስርዓት ሚዲያ ሬጉላቶሪ ንምጥንኻር ዘኽእል ስምምዕነት ምርድዳእ ተፈራሪሙ።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኣብ ቤት ምክር ወከልቲ ህዝቢ ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ዴሞክራሲ እውነቴ ኣለነ፣ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ሃይማኖት ዘለቀ ከምኡ’ውን ሓለፍቲ ስራሕ ዝተፈላለዩ ትካላት ተረኺቦም እዮም።
እቲ ስምምዕነት ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ መራኽብቲ ሓፋሽ ሃይማኖት ዘለቀ ምስ ሓለፍቲ ስራሕ እቶም ትካላት ተፈራሪሞም እዮም።
ዋና ዳይሬክተር እቲ በዓል መዚ ሃይማኖት ዘለቀ ኣብዚ እዋን ከም ዝበላኦ፥ እቲ ስምምዕነት ስራሕቲ ቁፅፅርን ዓቕሚ ህንፀትን መራኽብቲ ሓፋሽ ምስ ዝምለከቶም ኣካላት ብምትእስሳር ዝተዋደደ ኣሰራርሓ ንምዝርጋሕ ዝዓለመ እዩ።
ኣብ ሞንጎ ትካላት ፈጣንን ዲጂታል ስርዓት ልውውጥ ሓበሬታ ብምዝርጋሕ ክፍተት ዘወግድ ምዃኑ ኣመላኺተን።
ስራሕቲ ቁፅፅርን ዓቅሚ ህንፀትን መራኸብቲ ሓፋሽ ብዝተዋደደ መልክዑ ንምምራሕ ዘኽእል ኣሰራርሓ ከም ዝፈጥር እውን ተዛሪበን።
ከምኡ’ውን ኣብ ዓውዲ ሚዲያ ስራሕቲ ኣፈፃፅማ ሕጊ ብፅሬትን ብብቕዓትን ብምስላጥ ሕጋውነት፣ ደሕንነት ህዝቢን ብሔራዊ ረብሓን ንምርግጋፅ ዘኽእል ምዃኑ ኣመላኺተን።
ናይቲ ዓውዲ ተለዋዋጢ ኩነታት ዘገናዘበ ፖሊሲ፣ ሕግን ኣሰራርሓን ዝዘርጋሕ ምዃኑ እውን ኣመላኺተን።