እቲ ጉባኤ ምኽክር ዝተፈላለዩ ሓሳባት ብነፃነት ንክግለፁ ብምኽኣል ፀገማት ብምኽክር ንምፍታሕ ሰፊሕ ዕድል ፈጢሩ እዩ-ተመኻኸርቲ - ኢዜአ ትግርኛ
እቲ ጉባኤ ምኽክር ዝተፈላለዩ ሓሳባት ብነፃነት ንክግለፁ ብምኽኣል ፀገማት ብምኽክር ንምፍታሕ ሰፊሕ ዕድል ፈጢሩ እዩ-ተመኻኸርቲ
ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 7/2018 (ኢዜኣ) ጉባኤ ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ሓሳባት ብነፃነት ንክንሸራሸሩ ብምኽኣል፣ነባር ፀገማት ብምኽክር ንምፍታሕ ሰፊሕ ዕድል ከም ዝፈጠረ ተመኻኽቲ ገሊፆም።
ጉባኤ ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ካብ 8 ሓምለ 8 2018 ዓ/ም ጀሚሩ ኣብ ኣለም ለኸ ማእኸል ኮንቬንሽን ኣዲስ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ።
ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወፃእን ንዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ዝውክሉ 4 ሽሕ ተመኻኸርቲ ኣብ 8 ዓበይቲ ኣጀንዳታት ሃባራዊ ምርድዳእ ንምፍጣር ዕሙቕን ኣሳታፍን ምኽክር እናካየዱ እዮም ዝርከቡ።
ርኢቶኦም ንኢዜኣ ዝሃቡ ተመኻኸርቲ፤ ኣብቲ ምኽክር ዝለዓሉ ዘለዉ ሓሳባት ንዘላቒ ህንፀት ሃገር ኣስተዋፅኦ ዘበርክቱ እዮም ኢሎም።
ንትካል ሲቪል ማሕበረሰብ ብምውካል እናተዛተዩ ዝርከቡ ተመኻካሪ ኣብዲሳ ኣበበ(ዶ/ር) ከም ዝበልዎ፤ እቲ ምኽክር ካብ መላእ ኢትዮጵያ ዝተውፃእፅኡ ክፋላት ሕብረተሰብ እናተሳተፈሉን ኩሉ ሰብ ሓሳቡ ብነፃነት እናቕረበሉን እዩ ዝርከብ።
እቲ ምኽክር፤ ዝተፈላለዩ ሓሳባት ብዘይ ገደብ ንክለዓሉ ዕድል ከም ዝፈጠረ ብምግላፅ፤ እዚ ድማ ፀገማት ኣሳታፊ ብዝኾነ መንገዲ ብምምኽኻር ንሎሚ ጥራሕ ዘይኮነስ ንፅባሕ እውን ዝጠቕሙ መፍትሕታት ምምፃእ ከም ዝከኣል ተዛሪቦም።
ተወካሊ ፓርቲ ምንቅስቓስ ሓርነት ሲዳማ ስማቸው እንግሶ ብግደኦም፤ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ብርክት ዝበለ ህዝቢ ኣብ ሓደ እንትመኻኸር ንመጀመርያ ግዜ እዩ ኢሎም።
ኣብቲ ምኽክር ኣብ ዝለዓሉ ዘለዉ ሓሳባት ብምዝታይ ናብ ሓደ መረዳድኢ እናተበፅሐ ከም ዝኾነ እውን ሓቢሮም።
እቲ ምኽክር ንፀገማት ዘላቒ መፍትሒ ንምንዳይ ዓብይ ዕድል ከም ዝፈጠረ ብምሕባር፤ እዚ ድማ ዝሓሸት ሃገር ንመፃኢ ወለዶ ንምርካብ ከም ዝሕግዝ ኣረዲኦም።