ፀብለልታ ምርግጋፅ ሉኣላውነት ሰብኣዊ ሓገዝ ኢትዮጵያ ኣተሓሳስባ ተመፅታይነት ብምስባር ናብ ሓድሽ ታሪኻዊ ምዕራፍ መፍረያይነት የሰጋግሮ ኣሎ - ኣምባሳደር ሽፈራው ተክለማርያም (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፤ ነሓሰ 7/2018 (ኢዜኣ) ፀብለልታ ምርግጋፅ ሉኣላውነት ሰብኣዊ ሓገዝ ኢትዮጵያ ኣተሓሳስባ ተመፅታይነት ብምስባር ናብ ሓድሽ ታሪኻዊ ምዕራፍ መፍረያይነት የሰጋግሮ ከም ዘሎ ኮሚሽነር ኮሚሽን ስራሕ ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋ ኣምባሳደር ሽፈራው ተክለማርያም (/) ገሊፆም።

ክልላት ኢትዮጵያ ልኡላውነት ሰብኣዊ ሓገዝ ንምርጋፅ ዘኽእል ቐረብ ብናይ ባዕሎም ዓቕሚ ምሽፋን ምጅማሮም እውን ኣፍሊጦም።

ኣብ ኢትዮጵያ ሰብ-ሰራሕን ተፈጥሮኣውን ሓደጋታት ኣቐዲምካ ብምክልኻልን ሓደጋ እንተጋጥም ድማ ቕልጡፍ ምላሽ ብምሃብ ሰብኣዊ ሓገዝ ብባዕላዊ ዓቕሚምሽፋን ዘኽእል ምምሕያሽ ኣሰራርሓን ሕግን ተገይሩ እዩ።

እዙይ እውን ዜጋታት ካብ ኣተሓሳስባ ተመፅዋታይነት ብልቓቕ ተጋላፃይነት ሓደጋን ቁፅሪ ደለይቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ብመሰረታዊነት ብምቕናስ ዘኽእል ዘበረታትዕ  ውፅኢት ክርከብ ገይሩ እዩ።

ኮሚሽነር ኣምባሳደር ሽፈራው ተክለማርያም (/) ንኢዜኣ ከም ዝበልዎ፤ ሰብኣዊ ሓገዝ ብባዕላዊ ዓቕሚ ምሽፋን ዝብል ተበግሶ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ አሕመድ (/) ኣተሓሳስባ ተመፅዋታይነት ሰቢርዎ እዩ።

ኣብ ዓለም ለኻዊ መዳርግቲ አካላት ዝተመርኮሰን ወሕስና ዘይብሉን  ምላሽ ሰብኣዊ ሓገዝ ብባዕላዊ ዓቕሚ ብምሽፋን ሉኣላውነት  ሰብኣዊ ሓገዝ  ንምርጋፅ ዓብዪ ለውጢ ታሪኽ ከም ዝተፈጠረ ገሊፆም።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ለውጢ ፖሊሲ ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋ ብምውፃእ፣ ኣዋጃትን መምርሒታትን ብምኽላስ ዜጋታት ካብ ተመፅዋታይነት ንምልቓቕ ብትኹረት ከም ዝተሰራሐ እውን ኣብሪሆም።

ሰብኣዊ ሓገዝ ብባዕላዊ ዓቕሚ ምሽፋን ክብሪ ህዝብታት ኢትዮጵያ ካብ ምሕላው ሓሊፉ ኣብ ነፃነትን ሙሉእ ልኡላውነትን ምርጋፅ ወሳኒ መሰረት የንብር ከም ዘሎ ተዛሪቦም።

ነዙይ እውን ፈንድ ምላሽ ስግኣት ሓደጋ ተጣይሹ ዜጋታት እጃሞም ይወፅኡ ከም ዘለዉ ኣልዒሎም።

ለውጢ ኣመለኻኽታን ኣብ ዓውዲ ኢኮኖሚ ዝተከናወኑ ስራሕቲን ውፅኢታዊ ብምዃኖም ተጋላፃይነት ሓደጋ ቁፅሪ ደለይቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ንቕናስ ኣኽኢሉ እዩ ኢሎም፡።

ሰብኣዊ ሓገዝ ብባዕላዊ ዓቕሚ ንምሽፋን ብዝተገብረ ፃዕሪ እውን ቁፅሪ ደለይቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ 2013 . ካብ ዝነበሮ 27 ሚሊዮን ኣብ 2018 . ናብ 2 ነጥቢ 4 ሚሊዮን ተሕት ክብል ከም ዝኽኣለ ገሊፆም፡።

ሉኣላውነት ሰብኣዊ ሓገዝ ንምርግጋፅ ስርዓት መኽዘናትን ሎጂስቲክስ ተጠናኺሩ እዩ ዝበሉ እቶም ኮሚሽነር፣ ኣብ ዝቕፅል እውን ሓላፍነት ቤተሰብ ሓላፍነትን ኣጋርነት ማሕበረሰብ ንምጥናኸር ከም ዝሰርሕ ተዛሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም