ምስ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ተሰሊፎም ኣብ ልዕሊ መንእሰይ ትግራይ ቅትለትን ግፋን ዝፍፅሙ ዘለዉ ኣካላት ካብ ተግባሮም ንክቑጠቡ ውድብ ስምረት ፃውዒት ኣቕሪቡ - ኢዜአ ትግርኛ
ምስ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ተሰሊፎም ኣብ ልዕሊ መንእሰይ ትግራይ ቅትለትን ግፋን ዝፍፅሙ ዘለዉ ኣካላት ካብ ተግባሮም ንክቑጠቡ ውድብ ስምረት ፃውዒት ኣቕሪቡ
ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 6/2018(ኢዜኣ) ምስ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ተሰሊፎም ኣብ ልዕሊ መንእሰይ ትግራይ ቅትለትን ግፋን ዝፍፅሙ ዘለዉ ኣካላት ካብ ተግባሮም ንክቑጠቡ ውድብ ስምረት ፃውዒት ኣቕሪቡ።
ውድብ ዲሞክራሲያዊ ስምረት ትግራይ (ስምረት) ሎሚ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፤ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ብመሰረት ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ንዝተጣየሸ ሕጋዊ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዕልዋ መንግስቲ ብምክያድ ቀንዲ መሳሰይን ልኡኽን ናይ ግዳም ሓይልታት ብምዃን
ትግራይ ናይ ምድሪ ሲኦል ገይርዋ ይርከብ ኢሉ።
እዚ ጉጅለ ካብ ፈለማ ኣትሒዙ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ከይትግበርን መስርሕ ሰላም ከይጠናኸርን ዕሾኽ እናዘርአ ከም ዝፀንሐ ብምሕባር፤ ኩሉ ግዜ ዘጨንቖ ጉዳይ ድሕንነት ህዝብን ምምላስ ተመዛበልትን ዘይኮነስ ጉዳይ ጉጅለኣዊ ረብሓታቱን ረብሓታቱ ከማልእ ንዝፈፀሞም ገበናት ስዒቡ ዝመፅእ ጉዳይ ተሓታትነትን እዩ ክብል እውን ገሊፁ።
እዚ ፀረ ሰላም ጉጅለ ስልጣን ካብ ግዝያዊ ምምሕዳር ብሓይሊ ካብ ዝብሕት ጀሚሩ ብምኽሪ ሻዕብያ
ዘውፀኦም ሕግታት ይኹን ውሳነታት ንዓፋናይን ፀረ ህዝብን መንነቱ ዘረጋገፁ ከም ዝኾኑ ብምግላፅ፤ ጉጅላዊ ረብሕኡ ንምሕላው ህዝቢ ትግራይ ኣብ ገዛእ መሬቱ መእተዉን መውፅእን ኣስኢኑ ከተማታትና ኣዕኒዩ ገጠራትና ኣባዲሙ መንእሰይ ኣልቦ ክልል ገይሩዋ ይርከብ ይብል ውድብ ስምረት ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ።
ኣብ ከቢድ ፖለቲካዉን ዲፕሎማሲያዉን ስዕረት ወዲቑ፣ ካብ ህዝብን ማሕበረሰብ ዓለምን እናተነፀለ ኣብ ናይ መወዳእታ ተስፋ ምቑራፅ ዝርከብ እዚ ጉጅለ፤ ዓይኒ ዘውፅአ ዘይሕጋዊ ናይ ሽፍትነት ተግባራት
ይፍፅም ከም ዘሎ ኣረዲኡ።
ንኲናት ዝዉዕል ገንዘብ ንምእካብ ብዘይ ኣገባብ ዝዘርፎ ዘሎ ናይ መዓድን ሃፍቲ ከይኣክል ንዘበናት
ኣብ ኢድ መንግስቲ ዝፀንሑን መንግስቲ ብሕጊ ከማሓድሮም ጥራሕ እምበር ክሸጦም ይኹን ናብ ሳልሳይ ወገን ከመሓላልፎም ከምዘይከኣልን ብኣዋጅ ንዝተደንገገ ሓድግታትን ህንፃታትን ሎሚ ንይስሙላ ጨረታ ኣቕሪቡ ይሸጦም ከምዘሎ ውድብ ስምረት ከም ዘረጋገፀ ኣፍሊጡ።
በዚ ኣጋጣሚ ኣብዚ ከይዲ ትሳትፉ ዘለኹም ሰብ ሃፍቲ እቲ ኸይዲ ጨረታ ይኹን መሽጣ ሕጋዊ ከም ዘይኮነ ፈሊጥኩም ንባዕልኹም ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባር ክትርሕቑ ደጊምና ክነፍልጥ ንፈቱ ክብል እውን ፃውዒት ኣቕሪቡ።
ብተመሳሳሊ መንገዲ ንመናእሰይ ትግራይ ብሓይሊ ኣብ ምግፋፍ ኢድ ንዘለዎም ኣካላት ካብ ዘይሕጋዊ ተግባሮም ንክቑጠቡ ተደጋጋሚ ከም ዘፍለጠ ዝገለፀ ውድብ ስምረት፤ ሕዚ እውን ንዘይረብሕ ዓስቢ ክብሉ ተስፋ ቖሪፆም ሓድነት ተጋሩ ምስ ዝብትን ዘሎ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ተሰሊፎም ሓይሊ ብምጥቃም ኣብ ቅትለትን ግፋን መናእሰይ ዝተዋፈሩ ኣካላት ካብ ተግባሮም ተቖጢቦም ምስ ህዝቦም ንክስለፉ እቲ ውድብ ፃውዒት ኣቕሪቡ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ወግሐ ፀብሐ ዳንኬራ ኲናት ዝጉስም ዘሎ እቲ ድሑር ጉጅለ ከም ዝኾነ ብምሕባር፤ ካብ ድሌት ወፃኢ ናብ ግንባራት እቶ ዝበሃል ዘሎ ዑጡቕ መንእሰይ ትግራይ እቲ ክካየድ ዝሕሰብ ዘሎ ኩናት ኣብ ብሄራዊ ረብሓ ትግራይ ጥር ትብል ጥቕሚ ከም ዘይብሉ ተረዲኡ ኩሎም ዓይነት ኣማራፅታት ተጠቒሙ ሂወቱ ንከድሕን እውን መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።
ንዉድብ ስምረት ሓዊሱ ተስፋ ትግራይ ዝኾና ብሄራዊ ዉድባት ትግራይ ምስ ሲቪክ ማህበራትን
ፈረምቲ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያን ብምዃን ቤት ምኽሪ ሰላምን ለዉጥን ብምጥያሽ ኣንፃር ኣብ ትግራይ ዓሪዱ
ዘሎ ገባታይን ድሑርን ስርዓት ብሓባር ዘይተሓለለ ውዑይ ቓልሲ ይግበር ከም ዘሎ እውን እቲ ውድብ ገሊፁ።
ውድብ ስምረት ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ከም ዝበሎ፤ እቲ ድሑር ጉጅለ ብድሕረይ ዳንዴር ኣይትብቆል ብዝብል ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘካይዶ ዘሎ መጭወይትን መቕተልትን ኣብ ቅድሚ ሕጊ ንምቕራብ ኣገዳሲ ስለዝኾነ መላእ ህዝብና ሕድሕድ መረዳእታ ክትሕዝ፣ ምስ ኩሎም ደለይቲ ለውጢ ሓይልታት ተወዲብካ ክትቃለስ፣ ዕድመ እዚ ጨካን ኣራዊት ጉጅለ ክተሕፅርን ዝተጀመረ ቃልሲ ኣጠናኺርካ ክትቕፅልን ንፅውዕ።
መንግስቲ ፌዴራልን ማሕበረሰብ ዓለምን እውን ነዚ ፀረ ሰላምን ጠንቂ ዘይምርግጋዕ ናይዚ ዞባን ዝኾነ ጉጅለ ንምእላይን ናብ ሕጊ ንምቕራብን ኣብ ዝግበር ቃልሲ ደገፍኩም ክተጠናኽሩ ንፅውዕ ክብል መልእኽቱ ኣመሓላሊፉ።