ሉኣላዊነት ሃገርን ብሄራዊ ረብሓን ዝሕልው ዘበናዊ ሰራዊት ንምፍጣር ቴክኖሎጂ ወሳኒ እጃም ኣለዎ- ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ - ኢዜአ ትግርኛ
ሉኣላዊነት ሃገርን ብሄራዊ ረብሓን ዝሕልው ዘበናዊ ሰራዊት ንምፍጣር ቴክኖሎጂ ወሳኒ እጃም ኣለዎ- ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ
ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 6/2018(ኢዜኣ) ሉኣላዊነት ሃገርን ብሄራዊ ረብሓን ዝሕልው ዘበናዊ ሰራዊት ንምፍጣር ቴክኖሎጂ ወሳኒ እጃም ከም ዘለዎ ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሓይልታት ሰራዊት ፌዴሪኢ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ገሊፆም።
ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ፌዴሪኢን ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያን ብሰብ ስራሕ ብልሒ ዝተጠናኸረ ዘበናዊ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ንምህናፅ ዘኽእል መረዳድኢ ስምምዕ ተፈራሪሞም።
ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሓይልታት ሰራዊት ፌዴሪኢ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤ ሉኣላዊነት ሃገርን ብሄራዊ ረብሓታትን ምርግጋፅ ብዘኽእል መልክዑ ዘበናዊ ሰራዊት ንምፍጣር ቴኮኖሎጂ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ወሳኒ እዩ።
ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ዳይሬክተር ወርቁ ጋቸና (ዶ/ር) ብግደኦም፤ ቴክኖሎጂ ኤ.ኣይ ኣብ ሓይሊ ምክልኻል ብፍላይ ድማ ኣብ ህንፀት ዓቕሚ ሓይሊ ኣየር፣ ሓይሊ ምድርን ሳይበርን ልዑል ረብሓ ከም ዘለዎ ተዛሪቦም።
ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ እውን ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ንምድጋፍ ቆራፅ ከም ዝኾነ ሓቢሮም።
ክልቲኦም ትካላት ኣብ ሎጂስቲክስ፣ስልጠና፣ድሕንነት ሳይበር፣ሓለዋ ጥዕና ሰራዊት ምክልኻል ከምኡ እውን ኣብ ዓውድታት ኤሌክትሮኒክስ ዋርፌር ብኤ.ኣይ ብምድጋፍ ዓቕሚ እቲ ሰራዊት ምዕባይ ኣብ ዘኽእሉ ዓበይቲ ጉዳያት ምዝታዮም ካብ ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።