ኣብቲ ምኽክር ንኢትዮጵያ ዝሃንፁ ጠንካራ ሓሳባት እናተንፀባረቑ እዮም - ተመኻኸርቲ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብቲ ምኽክር ንኢትዮጵያ ዝሃንፁ ጠንካራ ሓሳባት እናተንፀባረቑ እዮም - ተመኻኸርቲ
ኣዲስ ኣበባ፤ ነሐሰ 6/2018 (ኢዜኣ)፦ ኣብቲ ሃገራዊ ጉባኤ ምኽክር ንኢትዮጵያ ዝሃንፁ ጠንካራ ሓሳባት እናተንፀባረቑ እዮም ክብሉ ተመኻኸርቲ ገሊፆም።
ሃገራዊ ጉባኤ ምኽክር ኢትዮጵያ ካብ 8 ሓምሌ 2018 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ማእኸል ኣዲስ ዓለም ለኻዊ ኮንቬንሽን እናተኻየደ ይርከብ።
ኣብቲ ጉባኤ ምኽክር ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወፃእን ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ዝወከሉ ኣርባዕተ ሽሕ ተመኻኻርቲ ኣብ ሸሞንተ ዓበይቲ ሃገራዊ ኣጀንዳታት እናመኸሩ ይርከቡ።
ሃገራዊ ምኽክርን እቲ ጉባኤን ንዘመናት ንዝፀንሑ ዘይምርድድኣት ዘላቒ መፍትሒ ብምቕማጥ ሰላምን ምርድዳእን ዝሰፈነላ ኢትዮጵያ ጋህዲ ንምግባር መሰረት ዘንብር እዩ።
ተመኻኸርቲ እቲ ጉባኤ ምኽክር ንኢዜአ ከም ዝበልዎ፤ እዚ ዝሰልጠነ ኣካይዳ ንኢትዮጵያውያን ብዝበለፀ ብምቕርራብ ጠንካራ ባህሊ ዴሞክራሲን ምኽክርን ከም ዘጎልብት ተዛሪቦም።
ኣባል መበል 6ይ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢን ኣባል ኣማኻሪ ኮሚቴ ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ መብራቱ ኣለሙ (ዶ/ር) ከም ዝበልዎ፤ ኣብቲ ምኽክር ንኢትዮጵያ ናብ ቅድሚት ዘስጉሙን ዝፀንሑ ፀገማት ምፍታሕ ዘኽእሉ ሓሳባት ምኽክር እናተንፀባረቑ ይርከቡ።
እቲ ምክክር ዝሓሸት ኢትዮጵያ ንዝመፅእ ወለዶ ንምራክብን ከም ሃገር ዘስማዕምዑና ጉዳያት ናይ ሓባር እናገበርና ንምቕፃል ዓቢዪ ዕድል ፈጢሩ እዩ ኢሎምም።
ዝተፈላለዩ ፓርቲታት ፖለቲካ እውን ኣብቲ ከይዲ ተሳተፍቲ ምዃኖም ሃገራዊ ባህሊ ፖለቲካና ምኽክር መሰረት ዝገበረ ክኸውን ዓቢዪ ትምህርቲ ዝውሰደሉ ምዃኑ ገሊፆም።
መምህር ታሪኽን ፖለቲካ ሳይንስን ከምኡ እውን ተመኻኻሪ ኣልአዛር ኣባይነህ ብወገኖም፤ ንዘመናት ብዝፀንሑ ዘይምርድድኣት ኢትዮጵያ ንነዊሕ እዋን እናተፈተነት ምፅንሓ ብምዝኽኻር፤ እቶም ፀገማት ንምፍታሕ ካብ ምክክር ወፃኢ ካልእ መማራፂ ከም ዘየለ ገሊፆም።
እቲ ጉባኤ ምኽክር ብሃገራዊ ምርድዳእ ዝፀንዐት ኢትዮጵያ ንምህናፅን ንዝመፅእ ወለዶ ብሩህ መሰረት ንምንባር ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ምዃኑ እውን ኣመላኺቶም።
ኣብቲ ምኽክር ንሃገር ዝጠቅም ሓሳብ ብምብርካት ናይዚ ታሪኻዊ ጉባኤ ኣካል ብምዃኖም ኩርዓት ከም ዝስመዖም ገሊፆም።
እዚ እዋን ኣብ ሃገረይ ዘለኒ ተስፋ ኣዝዩ ዝለመለመሉ እዋን እዩ ዝበሉ ድማ ካልእ ተመኻኻሪ እቲ ጉባኤን በኣል ሞያን ሕግን ወንድሙ ግዛው እዮም።
ፍትሕን ማዕርነትን ዝሰፈነላ ዝሓሸት ኢትዮጵያ ንወለዶ ንምትሕልላፍ ኩሉ ተመኻኻሪ እቲ ጉባኤ ሃገራዊ ሓላፍነቱ እናተወፅአ ምህላዉ ምዕዛቦም እውን ኣልዒሎም።