እቲ ጉባኤ ምኽክር ሃገር ናብ ዝሓሸ ምዕራፍ ምርድዳእ ንምስግጋር ወሳኒ እዩ - ተመኻኸርቲ - ኢዜአ ትግርኛ
እቲ ጉባኤ ምኽክር ሃገር ናብ ዝሓሸ ምዕራፍ ምርድዳእ ንምስግጋር ወሳኒ እዩ - ተመኻኸርቲ
ኣዲስ ኣበባ፤ ነሐሰ 6/2018 (ኢዜኣ)፦ ኣብቲ ጉባኤ ምኽክር ሃገር ናብ ዝሓሸ ምዕራፍ ምርድዳእ ንምስግጋር ጠቓሚ ምክክር እናገበርና ኢና ክብሉ ሙሁራት ገሊፆም።
ሃገራዊ ጉባኤ ምኽክር ኢትዮጵያ 8 ሓምሌ 2018 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ማእኸል ኣዲስ ዓለም ለኻዊ ኮንቬንሽን እናተኻየደ ይርከብ።
ኢዜኣ ዘዘራረቦም ሙሁራት ከም ዝበልዎ፤ ኣሳታፋይን ኣካታትን ሃገራዊ ጉባኤ ምኽክር ኢትዮጵያ ኩሉ ዜጋ ኣለኒ ዝብሎ ጉዳይ ብግልፂ ከንፀባርቕ ዕድል ፈጢሩ እዩ።
እዙይ ድማ ሓባራዊ ምርድዳእ ምህናፅ ዘኽእል ምኽክር ብምካይድ ናይቲ ሓደ ሓሳብ ናይ ካልእ ሓሳብ ዝግንዘበሉ ዕድል ብምፍጣር ሃገር ዘሳግሩ ምኽረ ሓሳባት ንምምንጫው ከም ዝሕግዝ ገሊፆም።
ኣብቲ ከይዲ እቲ ምኽክር ሽማግለ ሃገርን ምሁር ታሪኽን ፕሮፌሰር ኣሕመድ ዘከሪያ ከም ዝበልዎ፤ እቲ ምኽክር ናይ ዘመናት ሃገራዊ ቅርሕንትን ስብራትን ብዝሰልጠነ ምኽክር ብምፅጋን ናብ ምርድዳእ ዘሳግር መድረኽ እዩ።
ብሰልጠነ መድረኽ ምኽክር ሓባራዊ ምርድዳእ ዝደልዩ ብዙሓት ስብራታት ታሪኽ ምህላዎም እውን ተዛሪቦም።
ሃገራዊ ጉባኤ ምኽክር ኢትዮጵያን እውን ኣብ መሰረታዊ ሃገራዊ ጉዳያት ምክክር ብምካይድ ንኹሉ ሰዓራይ ዝገብር ሓበራዊ መድረኽ ምዃኑ ገሊፆም።
ብምኽክር ንትውልዲ ዝረብሕ ሓባራዊ ምርድዳእ ምህናፅ የድሊ ዝበሉ ፕሮፌሰር ኣሕመድ፤ በዙይ እውን ሃገርና ናብ ዝሓሸ ምዕራፍ ምርድዳእ ንምስግጋር ጠቃሚ ምኽክር እናገበርና ኢና ኢሎም።
ተወካሊ ተመኻኻሪ ማሕበረሰብ ዲያስፖራ ካናዳን ክኢላ ሕጊን ዳንኤል ወርዶፋ ብወገኖም፤ ባህሊ ምኽክር ልዕልና ሓሳብ ንምስራፅ ዝሕግዝ መድረኽ ሓባራዊ ሰዓራይነት እዩ ኢሎም።
ሃገራዊ ጉባኤ ኢትዮጵያ እውን ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወፃእን ዝነብሩ ዜጋታት ኩለንተናዊ መስተጋብር ምርድዳእ ንምህናፅ መሰረት እናንበረ ምዃኑ ገሊፆም።
ኩሎም ወከልቲ ህዝቢ ኣለና ዝብልዎም ሓሳባት ብምንፅብራቕ ባህሊ ሓባራዊ መፍትሒ፣ ምድምማፅ፣ ምርድዳእን ምቕራብን ብምዕባይ ሃገር ዘቐደመ ምኽክር እናዓበየ ምምፅኡ ተዛሪቦም።
ኣብ ሞንጎ ተመኻኻርቲ እቲ ጉባኤ እናተፈጠረ ዘሎ መንፈስ ምርድዳእ እውን ሕልኽላኻትን መሰረታውን ኣብ ዝኾኑ ሃገራዊ ጉዳያት ሓባራዊ መፍትሒ ብምሃብ ሃገር ናብ ዝሓሸ ምዕራፍ ንምስጋር ከም ዝሕግዝ ኣልዒሎም።
ተመኻኻርቲ እቲ ሃገራዊ ምኽክር ጉባኤ ሓሳብና ብሙሉእ ናፅነት ነፀባርቐሉ ሓባራዊ መድረኽ ምርድዳእ እዩ ዝበሉ ድማ ካልእ ተመኻኻሪ መምህር ዘላለም ገላው እዮም።
ኣብታ ሃገር ብዙሓት ፀገማት እንተሃለው እውን፤ ብተመሳሳሊ መገዲ ነቶም ፀገማት ዝኾኑ ብዙሓት ሓሳባት መፍትሒ ሓሳባት ምህላዎም ኣብቲ ምኽክር ግንዛበ ከም ዝተወሰደ ገሊፆም።