ዘተኣማምን ምህዳር ድሕንነት ሳይበር ንምህናፅ ወሳኒ ዝኾነ ብቑዕ ሓይሊ ሰብ ናይ ምፍራይ ስራሕ ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ

ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 5/2018 (ኢዜኣ) ኣብ ኢትዮጵያ ዘተኣማምን ምህዳር ድሕንነት ሳይበር ንምህናፅ ወሳኒ ዝኾነ ብቑዕ ሓይሊ ሰብ ናይ ምፍራይ ስራሕ ተጠናኺሩ ከም ዝቕፅል ዋና ዳይሬክተር ምምሕዳር ድሕንነት መርበብ ሓበሬታ ትዕግስት ሂሚድ ገሊፆም።

5ይ ዙር መርሃ ግብሪ ስልጠና ሰገናት ብሄራዊ ታለንት ሰመር ካምፕ ሳይበር ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ጀሚሩ።

እቲ መርሃ ግብሪ ብምምሕዳር ድሕንነት መርበብ ሓበሬታ ዝዳለው እንትኸውን፤ ኣብ ዓውድታት ድሕንነትን ቴክኖሎጂታትን ሳይበር ድሌት ዘለዎም ሰገናትን መናእሰይን ንምፍራይ ዝዓለመ እዩ።

ድሕንነት ሳይበር፣ ልምዓት ሶፍትዌር፣ ኮዲንግ፣ ኣቪዬሽን፣ ቴክኖሎጂ ኤሮ ስፔስን ሰብ ስራሕ ብልሕን ኣብቲ መርሃ ግብሪ ዝተኻተቱ ዓውድታት እዮም።

ምድላው ዲዛይናት ሃርድ ዌርን ሴኪዩሪትን እውን ካሊእ ማእኸል ትኹረት እቲ መርሃ ግብሪ እዩ።

ዋና ዳይሬክተር ምምሕዳር ድሕንነት መርበብ ሓበሬታ ትዕግስት ሂሚድ ኣብዚ እዋን ከም ዝበልኦ፤ ዲጂታል ስግግር ኢትዮጵያ ውፅኢታዊ ንምግባር ምርግጋፅ ድሕንነት ሳይበር ወሳኒ እዩ።

ነዚ ድማ ብቑዕ ሓይሊ ሰብ ኣድላይ ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ እቲ ምምሕዳር ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብምዃን ሓይሊ ሰብ ናይ ምፍራይ ስርሑ ኣጠናኺሩ እናቐፀለሉ እዩ ኢለን።


 

መርሃ ግብሪ ስልጠና ካምፕ ሰመር ኣካል እዚ እዩ ዝበላ እተን ዋና ዳይሬክተር፤ እቲ መርሃ ግብሪ ተስፋ ናይ ፅባሕ ኢትዮጵያ ዝኾኑ ተተካእቲ ወለዶ ኣብ ምፍራይ ዓብይ ብፅሒት ከም ዘለዎ ተዛሪበን።

እቲ ስልጠና ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ኣዲስ ኣበባ ከም ዝተጀመረ ብምሕባር፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኣብ ዩኒቨርሲቲታት ባህር ዳር፣ጅማ ፣ወላይታ ሶዶን ሃረማያን ሓዊሱ ኣብ ውሽጢ ቀፅሪ እቲ ምምሕዳር እናተውሃበ ከም ዝርከብ ኣረዲአን።

ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ኣዲስ ኣበባ ኣስራት ኣፀደወይን (ዶ/ር) ብግደኦም፤ ኩለ መዳያዊ ብልፅግና ኢትዮጵያ ጋህዲ ንምግባር ዓቕሚ ቴክኖሊጂኣ ዝተሃነፀ ሃገር ዝርከብ ወለዶ ወሳኒ እዩ ኢሎም።

ኣብዚ መዳይ ምምሕዳር ድሕንነት መርበብ ሓበሬታ ዝጀመሮ ተተካእቲ ወለዶ ናይ ምፍራይ ስራሕ ዝነኣድ ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ ንዕዉትነት እቲ መርሃ ግብሪ እቲ ዩኒቨርሲቲ ትፅቢት ዝግበረሉ እጃም ከም ዝዋፃእ ኣረጋጊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም