ፓርክ ወዳጅነት ኣብ ዝሓለፉ 4 ዓመታት ጥራሕ ከባቢ 1 ቢልዮን ብር ኣታዊ ተረኺብሉ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 5/2018 (ኢዜኣ) ፓርክ ወዳጅነት ኣብ ዝሓለፉ 4 ዓመታት ጥራሕ ከባቢ 1 ቢልዮን ብር ኣታዊ ከም ዝተረኸበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ማእኸል ኣዲስ ኣበባ ዝርብ ፓርክ ወዳጅነት ኣብ ዝሓለፉ 8 ዓመታት ብመንግስቲ መደመር ካብ ዝተሰርሑ ፈላሞት ኩለ መዳያዊ ረብሓ ዘለዎም ማእኸላት ግልጋሎት ህዝቢ እቲ ሓደ እዩ ኢሎም።



እቲ ፓርክ ኣብ ዝሓለፉ 4 ዓመታት ጥራሕ ከባቢ 1 ቢልዮን ብር ኣታዊ ከም ዝተረኸበሉ ብምግላፅ፤ ብቀጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ዕድላት ስራሕን ኢኮኖሚያዊ ተረባሕነትን ከም ዝፈጠረ እውን ሓቢሮም።
ልዕሊ ኩሉ ድማ ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ዝተውፃእፅኡ ዜጋታትን ጎብነይትን ዝራኸብሉ ስፍራ ከም ዝኾነ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ቤተሰባትን ህፃናትን፣ጉጅለታት ስፖርትን ተኻፈልቲ መርዓን፣ፈጠርቲ ዲጂታል ትሕዝቶ ከምኡ እውን ጎብነይቲ ውሽጢ ሃገርን ወፃእን ኣብቲ ቦታ ይርከቡ ክብሉ ገሊፆም።
ፓርክ ወዳጅነት ካብ ኢኮኖሚያዊ ፀግኡ ብተወሳዂ ንጥዕና፣ብቕዓት ኣካል፣መዘናግዕን ምትእስሳር ህዝብን ልዑል ኣገልግሎት እናሃበ ከም ዝርከብ ብምሕባር፤ እዚ ድማ ብፅቡቕ ኩነታት ዝተተለሙ ስፍራታት ህዝባዊ ግልጋሎት ንሓፈሻዊ ዕቤት ከተማነት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዘለዎም ኣስተዋፅኦን ሰባት ከመይ ምርኻብ ከም ዝኽእሉን መረጋገፂ እዩ ኢሎም።



እዚ ፓርክ ኣብታ ከተማ ከምኡ እውን ኣብ ካልኦት ከተማታት ንዝህነፁ ዘለዉ ተመሳሰልቲ ስፍራታት ህዝባዊ ግልጋሎት ቀዳማይ መርኣያ እዩ ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ፤ እዞም ሓደሽቲ ቦታታት ፀጋ ዝፈጥሩ፣ዕድላት ዘመቻችዉን ልዕሊ ኹሉ ድማ ዋንነት ኢትዮጵያውያን ዘረጋግፁ ማእኸላት ከም ዝኾኑ ኣረዲኦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም