መናእሰይ ምስ ዕቤት ቴክኖሎጂ እዚ ዘበን ማዕረ ክጎዓዙ ኣለዎም-ፈጣሪት ስራሕ ቴክኖሎጂ ቤተልሄም ደሴ - ኢዜአ ትግርኛ
መናእሰይ ምስ ዕቤት ቴክኖሎጂ እዚ ዘበን ማዕረ ክጎዓዙ ኣለዎም-ፈጣሪት ስራሕ ቴክኖሎጂ ቤተልሄም ደሴ
ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 4 /2018(ኢዜኣ) መናእሰይ ምስ ቴክኖሎጂ እዚ ዘበን ማዕረ ብምጉዓዝ ዓርሶም ብክእለት ብቑዓት ንክገብሩ ፈጣሪት ስራሕ ቴክኖሎጂ ቤተልሄም ደሴ ፃውዒት ኣቕሪባ።
ብቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ዝቐረበ መናእሰይ ኢትዮጵያ ናብ ኮደርስ ኢንሼቲቭ 5 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ንክጽምበሩን እዋን ክረምቲ ቅድሚ ምሕላፉ ቁፅሪ ተሳተፍቲ ናብ 7 ሚልዮን ንምብፃሕን ዝተገበረ ሃገራዊ ፃውዒት ስዒቡ ብኣዳላውነት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዙርያ እቲ ኢንሼቲቭ መርሃ ግብሪ ልውውጥ ልምዲ ተኻይዱ።
ኣብቲ ዝተኻየደ ዘተ ፓነል፤ ኮደራት ኢንሼቲቭ 5 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ልምዶምን ኣረኣእይኦምን ዘካፈሉ 4 ሰብ ሞያ ተሳቲፎም።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ታሪኾምን ልምዶምን ካብ ዘካፈሉ ፈጣሪት ስራሕ ቴክኖሎጂ ቤተልሄም ደሴ፤ ኣብ ቴክኖሎጂ ዘለዋ ተሳትፎ ቅድሚ 17 ዓመት ገና ሰገን ኣብ ዝነበረትሉን ኣማራፅታት ዲጂታል ኣብ ዘይነበረሉን ከም ዝጀመረት ኣረዲኣ።
ዝሓለፈ እዋን ምስ ሕዚ ብምንፅፃር ድማ ኣብዚ ሕዚ እዋን ቴክኖሎጂ ብሰፊሑ ተበጻሒ ስለዝኾነ መናእሰይ እዚ ዘበን ሕልሞም ምዕዋት ዘኽእል ምችው መንገዲ ከም ዘለዎም ሓቢራ።
ዋላ ኳ እዚ ዓብይ ዕድል እንተሃለወ ዓወት ግና ቅልጡፍ ስጉምቲ ከም ዝሓትት ዝገለፀት መንእሰይ ቤተልሄም፤ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ተፀባዪ ካብ ምዃን መራሕቲ ለውጢ ንክኾኑ ከምኡ እውን ምስ ዕቤት ቴክኖሎጂ ማዕረ ንምጉዓዝ ዓርሶም ብኽእለት ንከብቅዑ ፃውዒታ ኣመሓላሊፋ።