መናእሰይ ንዲጂታል ክእለት ተበግሶን ፃዕርን ብምግባር ዓበይቲ ፀገማት ምፍታሕ ይኽእሉ እዮም-ፈጣሪት ስራሕ ቴክኖሎጂ ማህሌት ስዩም

ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 4/ 2018(ኢዜኣ) መናእሰይ ንዲጂታል ክእለት ተበግሶን ፃዕርን ብምግባር ዓበይቲ ፀገማት ምፍታሕ ከም ዝኽእሉ ፈጣሪት ስራሕ ቴክኖሎጂ ማህሌት ስዩም ገሊፃ።
ብቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ዝቐረበ መናእሰይ ኢትዮጵያ ናብ ኮደርስ ኢንሼቲቭ 5 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ንክጽምበሩን እዋን ክረምቲ ቅድሚ ምሕላፉ ቁፅሪ ተሳተፍቲ ናብ 7 ሚልዮን ንምብፃሕን ዝተገበረ ሃገራዊ ፃውዒት ስዒቡ ብኣዳላውነት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዙርያ እቲ ኢንሼቲቭ መርሃ ግብሪ ልውውጥ ልምዲ ተኻይዱ።
ተመራቒት ኮደራት ኢንሼቲቭ 5 ሚሊዮን ኢትዮጵያውያንን ፈጣሪት ስራሕ ቴክኖሎጅን ማህሌት ስዩም ኣብቲ ዘተ ፓነል ኣብ ዝሃበቶ ርኢቶ፤ ፕሮግራሚንግ ንምፍላጥ ኮምፒውተር ሳይንስ ወይ ድማ ፍሉይ ዓውዲ ትምህርቲ ግድን ከም ዘየድሊ ሓቢራ።
እኳድኣስ ሰባት ኣብ ኢዶም ዘለዉ ሓበሬታታት ኢንተርኔትን ቴክኖሎጅን ብምጥቃም ከምኡ እውን ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ፀገማት ከባቢኦም ብምትንታን ተግባራዊ መፍትሒ ከምፅኡ ከም ዝኽእሉ ኣብራህሪሃ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ዲጂታል ናውቲ ትምህርትን ኣማራፅታት መምሃርን ብቐሊሉ ኣብ ኢድና ከም ዝርከቡ ብምግላፅ፤ መናእሰይ ንዲጂታል ክእለት ተበግሶን ፃዕርን ብምግባር ዓበይቲ ፀገማት ምፍታሕ ከም ዝኽእሉ እውን ተዛሪባ።
ስለዝኾነ ድማ መናእሰይ ኩሉ ግዜ ፍልጦም ክሕድሱ፣ሓፀርቲ ስልጠናታት ክወስዱ ከምኡ እውን ዓርሶም ብዘበናዊ ቴክኖሎጂ ከብቅዑ ይግባእ ኢላ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም