ኢንሼቲቭ ኮደራት 5 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ንዕቤት ቴክኖሎጂ መናእሰይ ጠንካራ መሰረት ኣንቢሩ እዩ

ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 4 /2018(ኢዜኣ) ኢንሼቲቭ ኮደራት 5 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ንዕቤት ቴክኖሎጂ መናእሰይ ጠንካራ መሰረት ከም ዘንበረ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣፍሊጡ።
 
ብቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ዝቐረበ መናእሰይ ኢትዮጵያ ናብ ኮደርስ ኢንሼቲቭ 5 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ንክጽምበሩን እዋን ክረምቲ ቅድሚ ምሕላፉ ቁፅሪ ተሳተፍቲ ናብ 7 ሚልዮን ንምብፃሕን ዝተገበረ ሃገራዊ ፃውዒት ስዒቡ ብኣዳላውነት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዙርያ እቲ ኢንሼቲቭ መርሃ ግብሪ ልውውጥ ልምዲ ተኻይዱ።
 
‎ኣብቲ ዝተኻየደ ዘተ ፓነል፤ ኮደራት ኢንሼቲቭ 5 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ልምዶምን ኣረኣእይኦምን ዘካፈሉ 4 ሰብ ሞያ ተሳቲፎም።
 
ኣዝመራው ታደሰ ተመራቒ ኮደራት ኢንሼቲቭ 5 ሚሊዮን ኢትዮጵያውያን ከምኡ እውን ፓናሊስት መርሃ ግብሪ ልምምድ ልምዲ ኮደራት ኢንሼቲቭ 5 ሚሊዮን ኢትዮጵያውያን እዩ።
 
ኣዝመራው ናብዚ ኢንሼቲቭ ኣብ ናይ መወዳእታ ዓመታት ፃንሒት ዩኒቨርሲቲኡ እዩ ተሓዊሱ።
 
ኮድ ምግባር ምምሃር ዝጀመረሉ ፃዕሪ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንዝርከቡ ኮደራት ዘራኽብ ድሕረ ገፅ ዘማዕበለ እንትኸውን፤ ሎሚ ድማ መማዕበሊ ድሕረ ገፅ ፉል ስታክ ከም ዝኾነ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣፍሊጡ።
 
ኣብቲ መድረኽ ንመናእሰይ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፤ ኣብ ሰርቲፊኬት ጥራሕ ኣይተብቅዑ፣ዝተምሃርኩሞ ኣብ ተግባር ኣውዕልዎ ድሕሪኡ ኣብ ዝኾነ እዋን ምልምማድ ቀፅልሉ፤ ዕቤት ዝመፅእ በዚ መንገዲ እዚ እዩ ክብል ተዛሪቡ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም