መጠን ተኸላ፣ክትትልን ፅድቀትን መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰር ብጂኦስፓሻል ቴክኖሎጂ እናተረጋገፀ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
መጠን ተኸላ፣ክትትልን ፅድቀትን መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰር ብጂኦስፓሻል ቴክኖሎጂ እናተረጋገፀ እዩ
ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 4/2018 (ኢዜኣ) መጠን ተኸላ፣ክትትልን ፅድቀትን መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰር ብጂኦስፓሻል ቴክኖሎጂ እናተረጋገፀ ከም ዝኾነ ኢንስቲትዩት ስፔስ ሳይንስን ጂኦስፓሻልን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
ኣብቲ ኢንስቲትዩት ፈፃሚ ስራሕ መራሒ ስራሕ ካርታ ቴዎድሮስ ካሳሁን ንኢዜኣ ከም ዝበልዎ፤ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ብሳይንሳዊ ቴክኖሎጂ ጂኦስፓሻል፣ብጂፒኤስ (GPS)ን ብትንተና ምስሊ ሳተላይትን ምስጋፍ ብምጅማሩ ኣብ ፅሬትን ውፅኢታውነት ሓበሬታታት ልዑል ለውጢ ኣምፂኡ እዩ።
ቴክኖሎጂ ጂኦስፓሻል ብዋናነት ኣበይ፣ከመይን መዓዝን ዝብሉ ሰለስተ መሰረታዊ ሕቶታት ብትኽክል ንምምላስ ከም ዝሕግዝ ተዛሪቦም።
ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝተኻየደ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ጥራሕ 291 ሽሕ ሄክታር መሬት ሙሉእ ብሙሉእ ብጂፒኤስ ተለኪዑን ስፍሓት እቲ ቦታ ተሰሊሑን ከም ዝተዳለወ ኣረዲኦም።
እዚ ኣሰራርሓ ቅድሚ ሕዚ ንዝረኣዩ ዝነበሩ ምድግጋምን ምስሕሓትን ሓበሬታ ሙሉእ ብሙሉእ ዘትረፈ እዩ ኢሎም።
ሕዚ ተግባራዊ ብዝተገበረ ኣሰራርሓ እቲ ሓበሬታ ኣብ ቢሮ ምስ በፅሐ ብሳተላይት ምስሊ ከም ዝረጋገፅ ብምግላፅ፤ ኣብ ዝተመረፁ ቦታታት ሰብ ሞያ ብኣካል ብምርካብ ስራሕቲ ምርግጋፅ ንክሰርሑ ከም ዝተገበረ ሓቢሮም።
ፈልሲ ምትካል ጥራሕ ሽቶ ከም ዘይኮነ ብምሕባር፤ ስራሕ ትንተና ዝተተኸሉ ፈልስታት ከም ዝዓበዩን ሓምለዋይነት እቲ ከባቢ ከም ዝቐየሩን ንምክትታል ቴክኖሎጂ ርሕቐት (Remote Sensing) እናተሳለጠ ከም ዝርከብ ገሊፆም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ኢንስቲትዩት ዘዳለዎም ክትትል ሓበሬታ ደኒ፣ዝራእትን ከተማን ሓዊሱ 10 ማእኸላት ብምጥቃም ሓበሬታታት ንወሃብቲ ውሳነን ሚኒስቴር ግብርናን ተበጻሒ እናገበረ ከም ዝርከብ ኣብራህሪሆም።