ዝልዓሉ ዲጂታል መድረኻት ምህናፅን ሙሉእ ንሙሉእ ናብ ዲጂታል ኣሰራርሓ ምስግጋርን ግድን እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ዝልዓሉ ዲጂታል መድረኻት ምህናፅን ሙሉእ ንሙሉእ ናብ ዲጂታል ኣሰራርሓ ምስግጋርን ግድን እዩ
ኣዲስ ኣበባ፤ ነሓሰ 4/2018 (ኢዜኣ)፦ ዝልዓሉ ዲጂታል መድረኻት ምህናፅን ሙሉእ ንሙሉእ ናብ ዲጂታል ኣሰራርሓ ምስግጋር ግድን ከም ዝኾነን ንተግባራውነቱን ዘመናዊ ኣፈፃፅምኡን ዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብ ከምዘድሊን ላዕለዋይ ኣማኻሪ ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ኣብዮት ባዩ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡
ቀዳማይ ሚኒስትር ዓቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) መናእሰይ ኢትዮጵያ ኢኒሸቲቭ 5 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ኮደራት ክፅንበሩን እዋን ክረምቲ ቅድሚ ምዛዛሙ ቁፅሪ ተሳተፍቲ 7 ሚልዮን ንምብፃሕ ሃገራዊ ፃውዒት ኣቕሪቦም እዮም።
ፃውዒት ቀዳማይ ሚኒስትር ስዒቡ ብቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣዳላውነት ኣብ ዙሪያ እቲ ኢኒሸቲቭ መርሃ ግብሪ ልውውጥ ልምዲ ተኻይዱ እዩ።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ኣብዮት ባዩ (ዶ/ር፣ ዝልዓሉ ዲጂታል መድረኻት ምህናፅን ሙሉእ ንሙሉእ ናብ ዲጂታል ኣሰራርሓ ምስግጋር ግድን ከም ዝኾነን ንተግባራውነቱን ዘመናዊ ኣፈፃፅምኡን ዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብ ከምዘድሊ ኣገንዚቦም፡፡
ዓቕሚ ሰባት ምዕባይ፣ ኣሳታፊ ዲጂታል ምህዳር ምፍጣር፣ ተበፃሕነት ምስፋሕን ሃገር ማእኸል ዲጂታል ምግባርን ኣብ ትሕቲ ዝብሉ ዕላማታት ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ሕድሕድ ብቴክኖሎጂ ዝመዝገብ ዓወት ሙሉእ ንሙሉእ ኣብ ዓቕሚ ሰብ ዝተመርኮሰ ምዃኑ ኣብሪሆም።
እዚ ዓቕሚ ናብ ተግባር ንምቕያር ድማ መንእሰያት ኣብ ዝተዋፈርሉ ዓውዲ ክእለቶም ብንቕሓት ከዕብዩን ንዝለዓለ ውፅኢታውነት ክጠናኸሩ ከምዘለዎምን ገሊፆም።