ኢኒሸቲቭ 5 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ኮደራት ዲጂታል ክእለት ንምዕባይን ሃገራዊ ለውጢ ንምፍጣንን ዓብዪ ተራ ይፃወት ኣሎ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢኒሸቲቭ 5 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ኮደራት ዲጂታል ክእለት ንምዕባይን ሃገራዊ ለውጢ ንምፍጣንን ዓብዪ ተራ ይፃወት ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፤ ነሓሰ 4/2018 (ኢዜኣ)፦ ኢኒሸቲቭ 5 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ኮደራት ዲጂታል ክእለት ንምዕባይን ሃገራዊ ለውጢ ንምፍጣንን ዓብዪ ተራ ይፃወት ከም ዘሎ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣፍሊጡ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዓቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) መናእሰይ ኢትዮጵያ ኢኒሸቲቭ 5 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ኮደራት ክፅንበሩን እዋን ክረምቲ ቅድሚ ምዛዛሙ ቁፅሪ ተሳተፍቲ 7 ሚልዮን ንምብፃሕ ሃገራዊ ፃውዒት ኣቕሪቦም እዮም።
ፃውዒት ቀዳማይ ሚኒስትር ስዒቡ ብቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣዳላውነት ኣብ ዙሪያ እቲ ኢኒሸቲቭ መርሃ ግብሪ ልውውጥ ልምዲ ተኻይዱ።
እቲ መርሃ ግብሪ መራሕቲ እቲ ዓወድን መውፃእቲ ፖሊሲን፣ ምስክር ወረቐት ዘለዎም ናይቲ ኢኒሸቲቭ ተመረቕቲ መንእሰያትን ሰብ ሙያታትን ኣብ ሓደ ቦታ ዘራኸበ ምዃኑ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣፍሊጡ።
ተሳተፍቲ ልምዶምን ምልከታኦምንን ኣብቲ መድረኽ ንኸካፍሉ ዕድል ብምፍጣርመ እቲ መርሃ ግብሪ ብልምዓት ተግባራዊ ዲጂታላዊ ክእለት ኣቢሉ ንዕብየት ኣጀንዳ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ኣጀንዳ ናይ ባዕሉ ኣስተዋፅኦ ከም ዘበርከተ ኣመላኺቱ።
እቲ መርሃ ግብሪ ኣብ ሰብ-ሰራሕ ብልሒ ብዘተኮረ ዑደት ኤግዚቢሽን ዝተጀመረ እንትኸውን፡ ብምቕፃል እውን ብሓላፊት ፕረስ ሴክሬታሪያት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ቢልለኔ ስዩም ናይ መኽፈቲ መደረ ተገይሩ እዩ።
እተን ሓላፊት ኣብ መደረአን ብቕዓት ቴክኒካውን ዲጂታላውን ክእለት መናእሰይ ወሳኒ ሃገራዊ ሃፍቲ ምዃኑ ብምግላፅ፣ ኣብዚ ክረምቲ ቁፅሪ ኮደራት 7 ሚልዮን ንምብፃሕ ብቀዳማይ ሚኒስትር ዝቐረበ ፃውዒት ተግባራውነቱ ኣረጋጊፀን።
ብምቕፃል ኣብ ዝተኻየደ ዘተ ፓነል ኣብ ኢኒሸቲቭ 5 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ኮደራት ልምዶምን ርኢቶኦምን ዘካፈሉ ኣርባዕተ ሰብ ሙያታት ተሳቲፎም።
ላዕለዋይ ኣማኻሪ ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ኣብዮት ባዩ (ዶ/ር) ፣ዋና ፈፃሚት ስራሕ ጊሮ (gheero) ቤተልሔም ደሴ፣ ከምኡ እውን ናይቲ ኢኒሸቲቭ ምሩቓት ዝኾኑ ኣዝመራው ታደሰን ፈጣሪት ስራሕ ቴክኖሎጂ ማህሌት ስዩምን ዝተሳተፉ ሰብ ሙያታት እዮም።
ተሳተፍቲን መንእሰያትን ክእለቶም ብዘይቋረፅ ንኸዕብዩ፣ ኣብ ተግባር ዝተኮሩ መፍትሒታት ንኸልምዑን ኣብ ዕብየትን ፈጠራን ዲጂታል ስነ-ምህዳር ኢትዮጵያ ናይ ባዕሎም ግደ ንኽፃወቱን ናይቲ ዘተ ተሳተፍቲ ኣተባቢዖም።
መንእሰያት ተሳተፍቲ ምስ ዲጂታል ክእለት ዝተኣሳሰሩ ሕቶታት ንፓነሊስትታት ኣቕሪቦም ምላሽ ዝረኸቡ እንተኾኑ፣ ሓፈሻዊ እቲ መርሃ ግብሪ ግልፂ ዘተን ልውውጥ ልምዲን ዝተገበረሉ እዩ።
እቲ ልውውጥ ልምዲ ኢኒሸቲቭ 5 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ኮደራት ዲጂታላዊ ክእለት ንምዕባይን ሃገራዊ ለውጢ ንምፍጣንን ዘለዎ ዓብዪ ተራ ደጊሙ ዘረጋገፀ ምዃኑ እቲ ቤት ፅሕፈት ቤት ገሊፁ፡፡