መደመር ኣብ ኩሎም ዓውድታት ጭቡጥ ለውጢ ዘምፅአ ሃገር ቦቆል ኣተሓሳስባ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
መደመር ኣብ ኩሎም ዓውድታት ጭቡጥ ለውጢ ዘምፅአ ሃገር ቦቆል ኣተሓሳስባ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 2/2018 (ኢዜኣ) ኣተሓሳስባ መደመር ኣብ ኩሎም ዓውድታት ንዝተመዝገቡ ዝጭበጡ ዓወታት መሰረት ዝኾነ ሃገር ቦቆል ኣተሓሳስባ ከም ዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ኦሮሚያ ብሮድካስቲንግ ኔትዎርክ (OBN) ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት፤ ኣተሓሳስባ መደመር ካብ ወፃኢ ዝተቐድሐ ዘይኮነስ ውፅኢት ሃገር ቦቆል ኣተሓሳስባን ፍልስፍናን እዩ ኢሎም።
ዋና ተግባር ሓቃዊ መሪሕ ፖለቲካ ህዝቢ ካብ ዝኣተዎ ፀገምን መከራን ኣውፂኡ ናብ ፅቡቕን ዝሓሸን ሂወት ምስግጋር ከም ዝኾነ ተዛሪቦም።
ብኣተሓሳስባ መደመር ኣብ ዓውዲ ጉዳይ ወፃኢ ኢትዮጵያ ብብርኪ ዓለም ዘለዋ ተሰማዕነትን ምስልን ዘዕበዩ ስራሕቲ ከም ዝተሳለጡ ሓቢሮም።
ሓሳብ መደመር ዝሓዘ መፅሓፍ ብ10 ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ከም ዝተተርጎመን እቲ ሓሳብ ብጭቡጥ ለውጢ እናምፅአ ከም ዝኾነን እውን ኣብራህሪሆም።
ብሓፈሻ ኣተሓሳስባ መደመር ኣብ ኩሎም ዓውድታት ስራሕቲ ሪፎርም ውፅኢት ንክመፅእ ወሳኒ እጃም ከም ዘበርከተ ኣመላኺቶም።