ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ብባዕሉ ጠጠው ዝበለ ዘይኮነስ ብካልኦት ፀላእቲ ተደጊፉ ሃገር ንምህዋኽ ዝፅዕር ድሑር ጉጅለ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ብባዕሉ ጠጠው ዝበለ ዘይኮነስ ብካልኦት ፀላእቲ ተደጊፉ ሃገር ንምህዋኽ ዝፅዕር ድሑር ጉጅለ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 2/2018 (ኢዜኣ) ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ብባዕሉ ጠጠው ዝበለ ዘይኮነስ ብካልኦት ፀላእቲ ተደጊፉ ሃገር ንምህዋኽ ዝፅዕር ድሑር ጉጅለ ከም ዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ተዛሪቦም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ኦሮሚያ ብሮድካስቲንግ ኔትዎርክ (OBN) ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ከም ዝበልዎ፤ ፀገም ንምፍጣር ዝንቀሳቐስ ዘሎ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ድሑር ሓሳብ፣ ድሑር ኣመራርሓን ኣረኣእያን ዝተሸከመ እዩ።
እቲ ጉጅለ ዋላ ኳ ኣብ ናይ ትማሊ ሓሳብ ዝኾነ ዓይነት ለውጢ ከይገበረ ብናይ ትማሊ መንገዲ ምኻድ ዝደሊ እንተኾነ እቲ ከይዲ ግና ክሳኽዐሉ ኣይኽእልን ክብሉ ሓቢሮም።
ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ምስ ኣተሓሳስባ እዚ ዘበን ዓርሱ ንምልዋጥን ሓቢሩ ንምጉዓዝን ድሉው ከም ዘይኮነ እውን ኣረዲኦም።
እቲ ካልኣይ ዋና ፀገሙ ድማ እቲ ጉጅለ ማዕርነት ክቕበል ዘይምኽኣሉ እዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኣብዚ ዘበን ማዕርነት ዘይቕበል ኣካል ዓብይ ፈተና ከም ዝገጥሞ ገሊፆም።
እቲ ጉጅለ ሓቃዊ ሕቶ ከም ዘይብሉ ብምግላፅ፤ ብኣናእሽቲ ነገራት ተዓሲቡ ኢትዮጵያ ንምህዋኽ እናሰርሐ እዩ ዝርከብ ኢሎም።
እዚ ጉጅለ ቅድሚ ሕዚ ብዝተፈላለዩ ኣካላት ተሓጊዙ ናብ ስልጣን ከም ዝመፀ ብምዝኽኻር፤ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበሮ ፃንሒት እውን ሃገር እናሰረቐ እምበር እናመርሐ ከም ዘይፀንሐ ኣብራህሪሆም።
እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ኣብ ልዑል ስርቂ ወርቂ ተዋፊሩ ከም ዝፅንሐ ብምሕባር፤ ኣታዊ እታ ሃገር ንልምዓት ዘይኮነስ ንውልቃዊ ጥቕሚ ከም ዘውዓሎ እውን ተዛሪቦም።
ኣንፃር ሰላምን ማዕርነትን ዝኾነ እዚ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ሕዚ እውን ምስ ፀላእቲ ኢትዮጵያ ምትእስሳር ብምፍጣር ህወከትን ጎንፅን ብምፍጣር ዕድሚኡ ንምንዋሕ እናፈተነ ከም ዝኾነ ሓቢሮም።
እቲ ዝሓዞ ድሑር ኣተሓሳስባ ኣብ ዝኾነ ከም ዘየብፅሖ ዝገለፁ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ፤ እቲ ህዝቢ እውን ልኡኽቶ ጥፍኣት እቲ ጉጅለ እናተረድአ እዩ ኢሎም።