መንግስቲ ፀገማት ብሰላማዊ መንገዲ ብዘተ ንምፍታሕ ንዝደልዩ ኩሎም በሩ ክፍቲ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
መንግስቲ ፀገማት ብሰላማዊ መንገዲ ብዘተ ንምፍታሕ ንዝደልዩ ኩሎም በሩ ክፍቲ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 2/2018 (ኢዜኣ) መንግስቲ ብሰላማዊ መንገዲ ንምቅላስን ንምዝታይን ንዝደሊ ዝኾነ ኣካል በሩ ኩሉ ግዜ ክፍቲ እዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ኦሮሚያ ብሮድካስቲንግ ኔትዎርክ (OBN) ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፤ ኣብ ኢትዮጵያ ሰፊሕን ኣሳታፍን ምህዳር ዲሞክራሲ ከም ዝተፈጠረ ሓቢሮም።
እቲ ሃገራዊ ለውጢ ስዒቡ ብርክት ዝበሉ ዜጋታት ካብ ማእሰርቲ ንክፍትሑ ከም ዝተገበረ ብምሕባር፤ ይኹን እምበር ሓደ ሓደ ካብ ማእሰርቲ ድሕሪ ምፍትሖም ናብ ጫካ ብምእታው ትማሊ ምስ ዝበደልዎም ኣካላት ብምትሕብባር ናብ ልኡኽቶ ጥፍኣት ከም ዝኣተዉ ኣብራህሪሆም።
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ እዋን ተነሓናሕቲ ውድባት ፖለቲካ ብሰላማዊ መንገዲ ተንቀሳቒሶም ዘለዎም ሓሳብ ምቕራብን ምግላፅን ዘኽእሎም ምችው ኩነታት ከም ዝተፈጠረ እውን ተዛሪቦም።
ኣብ ዝተፈላለዩ ኣረኣእያታት ፖለቲካ ዝተዋፈሩ ተነሓናሕቲ ውድባት ኣብ ውሽጢ ካቢኔ መንግስቲ ንክኣትዉ ከም ዝተገበረ ብምግላፅ፤ እዚ ድማ እቲ ምህዳር ፖለቲካ ከም ዝሰፍሐ ዘረጋገፀ እዩ ኢሎም።
ብተወሳኺ እውን ሓሳብ ኩሉ ዜጋ ብማዕርነት ዝድመፀሉን ዘላቒ መፍትሒ ዝናደየሉን ሃገራዊ ምኽክር እናተኻየደ ከም ዝኾነ ኣረዲኦም።
መንግስቲ ዘቕረቦ ፃውዒት ሰላም ብምቕባል ብርክት ዝበሉ ዕጡቓት ናብ ሰላማዊ ሂወት እናተመለሱ ከም ዝርከቡ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ሕዚ እውን እንተኾነ እቲ በሪ ሰላም ክፍቲ ከም ዝኾነ ኣረጋጊፆም።
መንግስቲ ብሰላማዊ መንገድን ብዘተን ፀገማት ንምፍታሕ ድልው ንዝኾነ ዝኾነ ይኹን ኣካል ሕዚ እውን በሩ ክፍቲ እዩ ክብሉ እውን ፃውዒት ኣመሓላሊፎም።