መንግስቲ ንኹሉ ዝሓቖፈ ሕብረ-ብሄራውነት ብምጥንኻር ሰላምን ዕብየትን ሃገር ንምርግጋፅ ይሰርሕ ኣሎ - ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፤ ነሓሰ 2/2018 (ኢዜኣ)፦ መንግስቲ ንኹሉ  ዝሓቖፈ ሕብረ-ብሄራውነት ብምጥንኻር ሰላምን ዕብየትን ሃገር ንምርግጋፅ እናሰርሐ ከም ዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ኦሮሚያ ብሮድካስቲንግ ኔትዎርክ (OBN) ፃንሒት ገይሮም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ፃንሒቶም ኣብ ክልል ኦሮሚያ ይኹን ኣብ ካልኦት ክፋላት እታ ሃገር ዝረኣዩ ፀገማት ፀጥታ  ዝተፈላለዩ መበገሲ ምኽንያታት ከምዘለዎም ገሊፆም።

ናይቶም  ፀገማት ፀጥታ ቀዳማይ  ምኽንያት ናብ ዴሞክራሲያዊ ሽግግር ኣብ ዝግበረሉ እዋን ዘጋጥም ባህሪይ እዩ ኢሎም።

ተዓፊኑ ዝፀንሐ ፖለቲካዊ ምህዳር ዴሞክራሲያዊ ንምግባር በርታት እንትኸፈቱ፣ ኩሎም አካላት ማዕረ ሓይሊ ከምዘለዎም ስለዝኣምኑ ከምዚኦም ዝበሉ ፍፃመታት ከም ዘጋጥሙ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ይኹን ብዓለም ለኸ ዝፍለጥ ምኻኑ ኣመላኺቶም።

ወሲኾም እውን፣ ዋላ እውን ኣብ መጀመርታ እቲ ከይዲ ከምዚኦም ዝበሉ ባህሪያት ተተርኣዩ፣ ድሕሪ ሓፂር እዋን ናብ ዘተን ተረጋጊዕኻ ናብ ምዝርራብን ምስጋሩ ዘይተርፍ ምኻኑ ገሊፆም።

እቲ ከይዲ  ናብ ዘተ ዘመርሕን ቀፃሊ  ስጉምቲ እውን ብልዕልና  ሕጊ ምእማን ከምዝኸውን  ኣረዲኦም።

ሐዚ እውን እንተኾነ ከይዲ ምኽክር ይግበሩ ከምዘለዉን ነቶም ዘተታት ስዒቡ ዝወፅእ ሕጊ  ንኩሎም አካላት ተገዛኢ ብዝገብር መገዲ ዝዳሎን ንኹሉ ዘካትትን ከምዝኸውን ኣብሪሆም።

እቲ ኻልኣይ ምኽንያት ማእኸል ለውጢ  ስልጣን  ምኻኑ ዝሓበሩ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ እቲ ከይዲ ካብ ንእሽተይ ጉጅለ ናብ ኩሉ አካል ዝሳተፈሉ ሽግግር ስልጣን ዝግበረሉ ብምኻኑ ከምዚኦም ዝበሉ ኩነታት ከምዝፈጥር ገሊፆም።

እዙይ እውን ሓደ ናይቲ ስልጣን በዓል ዋና  ኮይኑ እቲ ካልእ ድማ ዓጃቢ  ጥራሕ ኮይኑ ዝድፍአሉ ኣሰራርሓ ክብቅዕ ስለዘለዎ ምኻኑ ተዛሪቦም።

ሳልሳይ መሰረታዊ ምኽንያት ዘይተዓረቁ ተረኻት ፀላኢ  ምኻኖም ብምጥቃስ፤ ፍልልያት ፀገማት  ዘይምኽባር ድልየታት ዓለምለኸን ብሄር ብሄረሰባት ከምዘስዓበ ገሊፆም።

ዝተትሓዘ መገዲ ግን ንኹሉ ተጠቃሚ ዘግብርን ብሄር ብሄረሰባት ሓቒፉ ዝሕዝ  ሕብረ-ብሄራውነት ምኻኑ ኣስሚሮምሉ እዮም።

ራብዓይ ምኽንያት ድማ ናይ ነዊሕ እዋን ኢትዮጵያ ናይ ምፍራስ ድልየት ፀላእትን  ብሓፂር መገዲ ስልጣን ንምሓዝ ዝግበር ፈተነን ከምዝኾነ ገሊፆም።

እዙይ  እውን ብዝተወደበ መገዲ እንተይኮነስ ኣፅዋር ብምሓዝን ሰባት ብምቅታልን  ስልጣን ንምሓዝ ዝግበር ድልየት እንትኸውን፣ ናይ ነዊሕ እዋን ፀላእቲ ኢትዮጵያ እውን እዚ ኣጋጣሚ ከምዝጥቀሙሉ ኣብሪሆም።

ሰላም እታ  ሃገር  ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብብዙሕ ፈተናታትን ፀገማትን ምሕላፉ ዘዘኻኸሩ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ህዝቢ ነቲ ኩነታት ከምዝተረደኦ ኣልዒሎም።

ከምኡ እውን ፀላእቲ ብግልፂ ይዳለዉን ምትእስሳሮም  የጠናኽሩን እኳ እንተሃለዉ እቲኩነታት ዝስበር ምኻኑ ገሊፆም።

በዙይ  እውን ዘተኣማምን  ሰላምን ዝተረጋገዐ ኩነታትን ተፈጢሩ ህዝቢ ናብ ስርሑ ንኽኣቱ ምችው ኩነታት ከም ዝፍጠር  ሙሉእ እምነት ከምዘለዎም እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣረጋጊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም