ልምዓት ኮሪደር ጥዕና ዘለዎ መነባብሮን ፅሩይ ከባብን ብምፍጣር ንዓወት ዓውዲ ጥዕና ዝለዓለ እጃም ኣለዎ-ዶክተር ካትሪን ማክዌ - ኢዜአ ትግርኛ
ልምዓት ኮሪደር ጥዕና ዘለዎ መነባብሮን ፅሩይ ከባብን ብምፍጣር ንዓወት ዓውዲ ጥዕና ዝለዓለ እጃም ኣለዎ-ዶክተር ካትሪን ማክዌ
ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 2/2018 (ኢዜኣ) ኣብ ኢትዮጵያ ዝሳለጥ ዘሎ ልምዓት ኮሪደር ጥዕና ዘለዎ መነባብሮን ፅሩይ ከባብን ብምፍጣር ንዓወት ዓውዲ ጥዕና ዝለዓለ እጃም ከም ዘለዎ በዓልቲ ሞያ ቴክኒክ መድረኽ ደገፍ ሃገር ግብረ ሓይሊ መቆፃፀሪ ኮሌራ ግሎባል ዶክተር ካትሪን ማክዌ ገሊፀን።
ዶክተር ካትሪን ንኢዜኣ ከም ዝበልኦ፤ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ብኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ኣቢሉ ንለበዳ ምላሽ ናይ ምሃብ ዓቕሙ ኣብ ምጥንኻር ውፅኢታዊ ስራሕ ኣሳሊጡ እዩ።
ስርዓት ቢሮታት ጥዕና ክልላት ንምላሽ ለበዳ ናይ ምምራሕን በቢ ከባቢኦም ዘሎ ኩነታት ሕማም ናይ ምክልኻልን ዓቕሞም እናዓበየ ምምፅኡ እውን ዝነኣድ እዩ ኢለን።
ኢትዮጵያ ኣብ ልምዓት ኮሪደር ተሳልጦ ዘላ መሰረተ ልምዓት ጥዕናን ማይን ንምልማዕ ከም ዝሕግዝ እውን ሓቢረን።
እዚ ድማ ጥዕና እቲ ሕብረተሰብ ንምሕላውን ጥዕና ዘለዎ መነባብሮ ንምጥንኻርን ከም ዘኽእል ኣብራህሪሀን።
ስራሕ ልምዓት ኮሪደር ዝርገሐ ለበዳ ንምቁፅፃርን ሕማም ንምክልኻልን ዝሕግዝ ከም ዝኾነ ብምሕባር፤ ኢትዮጵያ ሕማም ኣብ ምክልኻል ፈጠራ ዝተሓወሶ መንገዲ ብምኽታል ውፅኢታዊ ስራሕ እናሳለጠት እያ ትርከብ ኢለን።
ውፅኢታዊ ስራሕ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ሕማም ምትሕብባር መዳርግቲ ኣካላት ዝሓትት ስለዝኾነ ትካላት መንግስቲ፣ለገስትን መሓዙት ልምዓትን ብምትሕብባር ንክሰርሑ እውን ፃውዒት ኣቕሪበን።