ህዝቢ ኦሮሞ ኣብ ታሪኹ ዝተቓወሞ ንዝተበላሸወ ስርዓት ምምሕዳር እምበር ንኢትዮጵያ ኣይኮነን – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ ነሓሰ/ 2/2018 /ኢዜኣ/ህዝቢ ኦሮሞ ኣብ ታሪኹ ዝተቓወሞ ንዝተበላሸወ ስርዓት ምምሕዳር እምበር ንኢትዮጵያ ኣይኮነን ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣረዲኦም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ኦሮሚያ ብሮድካስቲንግ ኔትዎርክ(ኦቢኤን) ኣብ ዝገበርዎ ቃለ-መሕትት፥ ታሪኸ ህዝቢ ኦሮሞ ናይ ናፅነትን ማዕርነትን ምስ ህንፀት ሃገረ ኢትዮጵያ ዘለዎ ዓምዩቕ ርክብ ንታሪኻዊ ኣብነታት ብምፅራሕ ብሰፊሑ ኣብሪሆም።

ህዝቢ ኦሮሞ ብታሪኹ ዝተቓወሞ ዝተበላሸወ ስርዓት ምምሕዳር እምበር ንኢትዮጵያ ኣይኮነን ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ህዝቢ ኦሮሞ ኣብ ህንፀት ሃገር ደሙ፣ ኣዕፅምቱን ረሃፁን ከም ዘፍሰሱ ገሊፆም።

ሕቶታት ህዝቢ ኦሮሞ ብቐንዱ ኣብ ሰለስተ መሰረታዊ ክፍልታት ከም ዝኽፈሉ ብምግላፅ፥ ንሳቶም እውን ናይ ቁጠባ፣ መንነትን ሕቶታት ዴሞክራሲን ምዃኖም ኣብሪሆም።

ብዛዕባ ናይ ቁጠባ ሕቶ ብዝምልከት፥ ህዝቢ ኦሮሞ በዓል ዋና መሬትን ሃብትን ክኸውን፣ ብረሃፁ ሰሪሑ ክምዕብልን ከባቢኡ ክቕይርን ድሌት ከም ዝነበሮ ገሊፆም።

መሬት ንህዝቢ ኦሮሞ መሰረት ህይወቱ እኳ እንተኾነ እቲ ሃብቱ ምስ ተዘምተ፣ ሓረስታይ ኣፍርዩ ፍርያቱ ከይጥቀም መሰሉ ምስ ተሓድገ እዚ ቀንዲ ምኽንያት መበገሲ ቃልሲ ኮይኑ ከም ዝተረኽበ ኣረዲኦም ።

ብዛዕባ ናይ መንነት ሕቶ ድማ፥ እዚ ካብ ምዝራብ ኣፋን ኦሮሞ ሓሊፉ ባህሊ፣ መንነት፣ ስነ-ምግባር ፣ ክብሪ ዓበይቲ፣ ፍጥረታትን ፈጣሪን ዝሓቖፈ ዓምዩቕ ሕቶ ምዃኑ ገሊፆም።

ብማንነት ኦሮሞ ዓቢኻ ኣፋን ኦሮሞ ምዝራብ ጥራይ ሕቶ መንነት ምሉእ ብምሉእ ኣይፈትሖን ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ሕቶታት ቋንቋ፣ ባህልን መንነትን ክሳብ ሕዚ ከም ዘለዉ ኣመልኪቶም።

ሕቶ ዴሞክራሲ ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፥ ህዝቢ ኦሮሞ ገዳ ዝበሃል ኣሳታፊ ስርዓት ምምሕዳር ስለ ዝነበሮ፣ ርእሱ ብርእሱ ናይ ምምሕዳር፣ ሕጉ ባዕሉ ናይ ምውፃእን በቲ ሕጊ ናይ ምምሕዳርን ንነዊሕ ግዜ ዝቐፀለ ዴሞክራስያዊ ሕቶ ከም ዝነበሮ ገሊፆም።

ስርዓት ምምሕዳር መንግስቲ ድማ፥ ህዝቢ ካብ ዝለመዶ ዴሞክራስያዊ ስርዓት ምምሕዳር ዝተፈልየ እንትኸውን እቲ ህዝቢ ብተደጋጋሚ ሕቶታት ከም ዘልዓለ ገሊፆም።

እዚ ቃልሲ ህዝቢ ኦሮሞ ልዕሊ ሓደ ዘመን ዝፀንሐ እኳ እንተኾነ፥ ብዝድለ ፍጥነት ዓወት ዘይምምፅኡ ቀንዲ ምኸንያታት ኣርባዕተ እዮም ፥ንምፅራሕ ዝኣክል ።

እቲ ቀዳማይ ሕፅረት ስትራቴጂካዊ ሓሳብ ትራክተር እንተሃለወ እውን ምሩፅ ዘርኢ እንተዘይሃልዩ ዝድለ ፍርያት ከም ዘይርከብ ብምግላፅ፥ ከምኡ'ውን ንቃልሲ ዓወት ዘብፅሕ ፅሬት ዘለዎ ስትራቴጂያዊ ሓሳብ ዘይምህላው ዓቢ ጉድለት ከም ዝነበረ ብኣብነት ኣብሪሆም።

እቲ ካልኣይ ሕፅረት ሓድነት እዩ ህዝቢ ኦሮሞ ኣብ ሰፊሕ መሬት ዝነብርን ሓደ መንነት ዘለዎን እኳ እንተኾነ፥ ብፖለቲካዊ ሽርሒ፣ ብሃይማኖት፣ ብወሓዚ ሩባን ብዞባን ምክፍፋል ጠንካራ ውሽጣዊ ሓድነት ከይህሉ ከም ዝገበረ ገሊፆም።

እቲ ሳልሳይ ፀገም ኣተሓሕዛ ዝምድናታት ምስ ካልኦት ሓይልታት ዝግበር ዝምድና ብግዚያዊ ረብሓ ጥራይ ዝተመስረተ ስለ ዝነበረ ረብሓ ህዝቢ ኦሮሞ ኣብ ክንዲ ምሕላው ንኻልኦት ተገዛኢ ወይ ሸቃላይ ከም ዝገብሮ ገሊፆም፤ እዚ ድማ ነቲ ቃልሲ ዓቢይ ጉድኣት ከም ዘብፅሐ ገሊፆም።

እቲ ራብዓይ ድማ ሕፅረት ኣመራርሓን ስእነት ስነ-ልቦና ሰዓራይነትን ንህዝቢ ወዲቡ ብግቡእ ኣንፈት ክመርሕ ዝኽእል ርሑቕ ራእይ ዘለዎ ኣመራርሓ ምጥፋእ ዓቢይ ዕንቅፋት ከም ዝነበረ ገሊፆም።

ነቲ ቃልሲ ንምስዓር ልክዕ ከም ኣንበሳ ብስነ-ኣእምሮኣዊ ዓወት ተዳልዩ ክጅምር እናተገበኦ፥ ካብ መጀመርታ ኣብ ስግኣት ምእታው ንዓወት ቀንዲ ዕንቅፋት ኮይኑ ከም ዝፀንሐ ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም