ዕቤት መፍረያይነት ስርናይ ኢትዮጵያ ሉኣላዊነት ምግቢ ኣፍሪካ ምርግጋፅ ዘኽእል መርኣያ ተሞኩሮ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ዕቤት መፍረያይነት ስርናይ ኢትዮጵያ ሉኣላዊነት ምግቢ ኣፍሪካ ምርግጋፅ ዘኽእል መርኣያ ተሞኩሮ እዩ
ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 2/2018 (ኢዜኣ) ዕቤት መፍረያይነት ስርናይ ኢትዮጵያ ሉኣላዊነት ምግቢ ኣፍሪካ ምርግጋፅ ዘኽእል መርኣያ ተሞኩሮ ከም ዝኾነ ነበር ኮሚሽነር ጉዳያት ግብርና፣ልምዓት ገጠር፣ብሉ ኢኮኖምን ዘላቒ ከባብን ሕብረት ኣፍሪካ ጆሴ ፋል ሊዮኔል ኮሪያ ሳኩ ገሊፀን።
ጆሴ ፋል ሊዮኔል ኮሪያ ሳኩ ንኢዜኣ ከም ዝበልኦ፤ ኣፍሪካ ግብርና ሓዊሱ ዓቕሚ ሉኣላዊነት ምግብን መፍረያይነትን ዘጠናኽሩ ብርክት ዝበሉ ተስፋን ፀጋን ዕቤት ዝተዓደለት ኣህጉር እያ።
በዚ ድማ ዕቑር ተስፋታት ዕቤትን ብልፅግናን ኣፍሪካ ናብ ዕድል ብምቕያር ኩለ መዳያዊ ተረባሕነት ዜጋታት ዘረጋግፅ መፍረያይነት ግብርና ምጥንኻር ከም ዘድሉ ኣረዲአን።
ዕቑር ዓቕምን ፀጋን መፍረያይነት ግብርና እታ ኣህጉር እውን ውሕስና ምግቢ ኣፍሪካውያን ብባዕላዊ ዓቕሚ ብምሽፋን ካብ ተመፅዋታይነት ምልቓቕ ዘኽእል ዝተዋደደ ምትሕብባርን ፃዕርን ምግባር ከም ዝሓትት ተዛሪበን።
ስምምዕ ኣህጉራዊ ነፃ ዞባ ንግዲ እውን ሕድ ሕዳዊ ንግዲ ብምዕባይ ሉኣላዊነት ምግቢ ንምጥንኻርን ጥሜትን ድኽነትን ንምቕናስን ልዑል እጃም ኣለዎ ኢለን።
ኣፍሪካ ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ ደጋዊ ደገፍ ፅግዕተኛ ካብ ምዃን ናይ ባዕላ ሃፍትን ዓቕምን ብምጥቃም ፕሮጀክትታት ብውፅኢታውነት ምስላጥ ከም ዘለዋ ኣገንዚበን።
ዓወታት መፍረያይነት ግብርናን ሓለዋ ከባብን ኢትዮጵያ ንተስፋ ዕቤት ኣፍሪካ መርኣያ ከም ዝኾኑ ብምግላፅ፤ ብፍላ ድማ ኣብ መስኖ ሓጋይን ዝተፈላለዩ እዋናት ክረምትን መፍረያይነት ስርናይ ብምዕባይ፣ካብ ፅግዕተኛነት ፍርያት ወፃኢ ብምልቓቕ ንንግዲ ወፃኢ ዝተርፍ ዓቕሚ ምህናፃ ዝነኣድ ተግባር እዩ ኢለን።
ዓወታት ግብርና፣ሓለዋ ከባብን ልምዓት ከተማን ኢትዮጵያ እውን ተስፋ ዕቤት ኣፍሪካ ንምቕራፅ ከም ልምድን ተሞኩሮን ክውሰዱ ዝኽእሉ ከም ዝኾኑ ገሊፀን።
ስለዝኾነ ድማ ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ዓውድታት ግብርና፣መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር፣ሓለዋ ከባብን ልምዓት ከተማታትን ዝተረኸቡ ዕዉታት ውፅኢታት ብምልውዋጥን ብዝተዋደደ መንገዲ ብምስራሕን ዘላቒ ዕቤት እታ ኣህጉር ምጥንኻር ከም ዝግባእ ተዛሪበን።