ህዝቢ ኦሮሞ ኣብ ህንፀት ሃገርን ህልውናን ኢትዮጵያ ልዑል ኣስተዋፅኦ ኣበርኪቱ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 1/2018 (ኢዜኣ) ህዝቢ ኦሮሞ ኣብ ህንፀት ሃገርን ህልውናን ኢትዮጵያ ልዑል ኣስተዋፅኦ ከም ዘበርከተ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ኦሮሚያ ብሮድካስቲንግ ኔትዎርክ (OBN) ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፤ ህዝቢ ኦሮሞ ኣብ ከይዲ ህንፀት ሃገር ኢትዮጵያ ዝነበሮን ዘለዎን እጃም ኣልዒሎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኢሮሞ ኢትዮጵያ እዩ፤ ኢትዮጵያ ድማ ካብ ኢትዮጵያ ኣይትግንፀልን ኢሎም።

ህዝቢ ኦሮሞ ናበይ ከም ዘምርሕ ከይተፈለጠ ብዝለዓሉ ሓሳባት ምግንፃል እቲ ህዝቢ ንክግለል ተገይሩ ከም ዝፀንሐ እውን ሓቢሮም።

ህዝቢ ኦሮሞ ዘይተሳተፈሉ ዝኾነ ዓይነት ታሪኻዊ ፍፃመ ከም ዘየለን ኣብ ታሪኽ ህንፀት ኢትዮጵያ ዋላ እውን ሓደ ግዜ ንድሕሪት ኢሉ ከም ዘይፈልጥን ተዛሪቦም።

ኣብ ምኽባር ዶብ ሃገርን ህንፀት ሰራዊትን ተወለድቲ ኦሮሞ ልዑል እጃም ከም ዝነበሮም እውን ኣረዲኦም።

ኣብ ዘበነ ዳግማዊ ሃፀይ ምኒልክ ዘበናዊ ዶብ ኢትዮጵያ ካብ ዝሓንፀፁ ዋና ዋና እቶም ሓደ ራስ ጎቦና ዳጬ ከም ዝኾኑ ኣብራህሪሆም።

ብተወሳኺ እውን ዘበናዊ ሰራዊት ኣብ ምህናፅ ኣስተዋፅኦ ኣባ መላ (ፊታውራሪ ሀብተጊዮርጊስ ዲነግዴ) ከምኡ እውን ኣብ ናይ ቀረባ እዋን እጃም ጄኔራል ሙሉጌታ ቡሊ ዝለዓለ ከም ዝነበረ ኣዘኻኺሮም።

ጀጋኑ ኦሮሞ ኣብ ኲናታት ዓድዋ፣ ማይጨውን ባድመን ዘበርከትዎ ኣስተዋፅኦ ፍሉጥ እዩ እውን ኢሎም።

ስለ ዝኾነ ድማ ይብሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ህዝቢ ኦሮሞ ኣብ ህንፀት ኢትዮጵያ ዘበርከቶ ኣስተዋፅኦ ኣንኢስካ ምርኣይ ምስ ሓቂ ምፅላእ እዩ ክብሉ ኣገንዚቦም።


 

ኣብ ዘበናዊ ቢሮክራሲ፣ኢኮኖምን ፖለቲካዊ ቃልስን ብዝምልከት ዝነበሮ ኣስተቃፅኦ እተብራህርሁ፤ መዋቕር ኢኮኖምን ዘበናዊ ቢሮክራስን እታ ሃገር ኣብ ምህናፅ ኣይተ ይልማ ደሬሳ ከም ኣብነት ፀሪሖም።

ብተመሳሳሊ መሬት ንሓራሲኡ ኣብ ዝብል ምንቅስቓስ ተምሃሮን ጉዕዞ ፖለቲካዊ ቃልስን እውን እጃም ሃይሌ ፊዳን ባሮ ቱምሳን ልዑል ከም ዝነበረ ኣብሪሆም።

ጉዕዞ ቃልሲ ህዝቢ ኦሮሞ ኣብዚ ዝበፅሐሉ ብቅብብል ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ ድሕሪ እቲ ለውጢ እውን ሕቶታት ቃልሲ እቲ ህዝቢ ምላሽ ከም ዝረኸቡ ሓቢሮም።

ኣብ ከይዲ ድማ ተረባሕነት እቲ ህዝቢ ዘዕብዩ ነዚ ዘበን ዝምጥኑ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ከም ዝቕፅሉ ኣረጋጊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም