ፋውንዴሽን ሰራዊት ምክልኻል ዘመዝገቦ ለውጢ ክጠናኸር ይግባእ-ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ - ኢዜአ ትግርኛ
ፋውንዴሽን ሰራዊት ምክልኻል ዘመዝገቦ ለውጢ ክጠናኸር ይግባእ-ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ
ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 1/2018 (ኢዜኣ) ፋውንዴሽን ሰራዊት ምክልኻል ዘመዝገቦ ለውጢ ምጥንኻር ከም ዝግባእ ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሓይልታት ሰራዊት ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ገሊፆም።
ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኣብ ፋውንዴሽን ሰራዊት ምክልኻል ዝሳለጡ ዘለዉ ኢንዱስትሪ ጋርመንት ኣዳማ፣ ሓባራዊ መንበሪ ኣባይቲ እቲ ሰራዊትን ፋብሪካ መፍረዪ ባጅን ሜዳሊያን ጎብንዮም።
ኣብ እዋን እቲ ዑደት ኢንዱስትሪ ጋርመንት ኣዳማ ዘህነፆ ሓዱሽ ፕሮጀክት ምስፍሕፋሕን ምምሕያሽን መሪቖም ከፊቶም።
ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኣብ ዑደቶም፤ ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ፋውንዴሽን ሰራዊት ምክልኻል ንዘመዝገብዎ ውፅኢት ብምምስጋን እቲ ዝተረኸበ ለውጢ ከየዘናግዖም ንዝበለፀ ውፅኢት ንክተግሁ ኣተሓሳሲቦም።
ኣብ ቀፃሊ እውን ፅሬት ፍርያት ብምምሕያሽ፣ ልምዓት ምርምርን ቴክኖሎጅን ብምስፍሕፋሕ፣ምጥንኻር ስራሕቲ ዲጂታላይዜሽን፣ቀረብ እታዎት ብባዕላዊ ዓቕሚ ብምዕባይ ብብርኪ ኣፍሪካ ተወዳዳሪ ኢንዱስትሪ ንክህነፅ ኣንፈት ሂቦም።
ሰራዊት መለክዒኡ ሃገሩ እዩ ዝበሉ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፤ ፋውንዴሽን ሰራዊት ምክልኻል ድሌት እቲ ትካልን ሃገርናን ኣብ ምዕዋት ዘለዎ እጃም ብዝበለፀ ክጠናኸር ይግባእ ክብሉ ምግላፆም ሓበሬታ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፅ ሰራዊት ምክልኻል ኣመላኺቱ።