ህዝቢ ኤርትራ ብሓደ ጨቛኒ ስርዓት ተዓፊኑ ምንባር ከብቅዕ ይግባእ- ብርጌድ ንሓመዱ - ኢዜአ ትግርኛ
ህዝቢ ኤርትራ ብሓደ ጨቛኒ ስርዓት ተዓፊኑ ምንባር ከብቅዕ ይግባእ- ብርጌድ ንሓመዱ
ኣዲስ ኣበባ፤ ነሓሰ 1/2018 (ኢዜኣ)፦ ህዝቢ ኤርትራ ብሓደ ጨቛኒ ስርዓት ተዓፊኑ ምንባር ከብቅዕን ለውጢ ስርዓት ክመፅእን ከም ዝግባእ ግንባር ህዝባዊ ማዕበል ብርጌድ ንሓመዱ ኣፍሊጡ።
ሰላም እቲ ዞባ ኣብ ሓደጋ ንምውዳቕ ብድልየት ኹናት ዝተፀመደ ፅምዶ ተባሂሉ ዝፅዋዕ ጉጅለ ራዕዲ ህዝባዊ ድጋፍን መሰረትን ከም ዘይብሉ እውን ገሊፁ።
ግንባር ህዝባዊ ማዕበል ብርጌድ ንሓመዱ ሰላማዊ ምንቅስቓስ ቃልስን ዞባዊ ምትሕብባርን ብዝምልከት መግለፂ ሂቡ።
ሓላፊ ፖለቲካን ዲፕሎማሲን ግንባር ህዝባዊ ማዕበል ብርጌድ ንሓመዱ በየነ ገብረእግዚኣብሄር ከም ዝበልዎ፤ ብርጌድ ንሓመዱ ኣብ ኤርትራ ሱር ቦቆስ ለውጢ ንምምፃእ ማሕበራዊ መሰረት ዘለዎ ምንቅስቓስ እዩ።
እቲ ግንባር ንኤርትውያን ዲያስፖራታት ብምውዳብ፣ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ህዝቢ ድልየት ለውጢ ብምጥንኻር ነቲ ስርዓት ንምቕያር እናሰርሐ ከም ዝኾነ ኣመላኺቶም፡፡
ሻዕቢያ ሰላም እቲ ዞባ ኣብ ሓደጋ ንምውዳቕ ብናይ ውግእ ድልየት ዝተፀመደ ፅምዶ ተባሂሉ ዝፅዋዕ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣጣይሹ እናሰርሐ ምህላዉ ብምልዓል፤ እቲ ናይ ኹናት ባህጊ ዘለዎ ስብስብ ህዝባዊ ድጋፍን መሰረትን ከም ዘይብሉ ኣመላኺቶም።
ፅምዶ ንኤርትራ ይኹን ንህዝቢ ትግራይ ዘይጠቅም፣ ነቲ ዞባ ንምሕማስ ዝተዳለወ ምትእኽኻብ ምዃኑ እውን ተዛሪቦም።
ኣኻቢ ሓይሊ ዕማም ግንባር ህዝባዊ ማዕበል ብርጌድ ንሓመዱ ዳዊት ይብራህ፤ እቲ ግንባር ኣብ ኤርትራ መሰረታዊ ለውጢ ንምምፃእ ህዝባዊ መሰረት ሒዙ ከም ዝተመስረተ ተዛሪቦም።
ህዝቢ ኤርትራ ብሓደ ጨቛኒ ስርዓት ተዓፊኑ ምንባር ከብቅዕ ከም ዘለዎ ብምጥቃስ፤ ነዙይ ህዝባዊ ለውጢ ንምምፃእ ስራሕ ጀሚርና ኣለና ኢሎም።
ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያን ምስ ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራትን ሰናይ ጉርብትና ክህልዋ እቲ ስርዓት ክቐይር ከም ዘለዎ እውን ገሊፆም።
ኣባል ጉጅለ ዲፕሎማሲ ግንባር ህዝባዊ ማዕበል ብርጌድ ንሓመዱ ዳዊት ተፈሪ ከም ዝበልዎ፤ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ብልምዓት ክትኣሳሰር እናሰርሑ ምህላዎም ተዛሪቦም።