ኢትዮጵያ ብመሪሕነት ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ሓያል ሃገር ኣፍሪካ እናኾነት እያ-ፍሉጥ ሚድያ ህንዲ ፈርስት ፖስት - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ብመሪሕነት ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ሓያል ሃገር ኣፍሪካ እናኾነት እያ-ፍሉጥ ሚድያ ህንዲ ፈርስት ፖስት
ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 1/2018 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ብመሪሕነት ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ሓያል ሃገር ኣፍሪካ መፃኢ ዘበን ናብ ምዃን እናተሰጋገረት እያ ክብል ፍሉጥ ሚድያ ህንዲ ፈርስት ፖስት ፀብፂቡ።
ሚድያ ፈርስት ፖስት ንኢትዮጵያ ብዝምልከት ኣብ ዝሰርሖ ከባቢ 9 ደቒቓ ትንታነ፤ ኢትዮጵያ ዘርኢ ወዲ ሰብ ዝርከበላ፣ምድሪ ጥንታውያን መንግስትታት፣መስመራት ንግድን ዝለዓለ ታሪኻዊ መሰረት ኣፍሪካ ዘለዋን ሃገር ከም ዝኾነት ገሊፁ።
እታ ሃገር ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ናብ ስልጣን ካብ ዝመፁ ናብዚ ምስቲ ዝነበራ ፍሉጥ ታሪኻ ማዕረ ዓብይ ዝኾነ ሓዱሽ ምዕራፍ ንምህናፅ ኣብ ፃዕሪ እያ ትርከብ ይብል።
ብመሪሕነት እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ ዞባን ኣፍሪካን ሓያል ሃገር ምዃን ዘኽእላ ከምኡ እውን ቀፃሊ ዕድል እታ ኣህጉር ዝብይንን ጠንካራን ኢኮኖሚ ንምህናፅ እናሰርሐት ከም ዝኾነት ወሲኹ ሓቢሩ።
ንነዊሕ ዓመታት ዓለም ንኢትዮጵያ ዝፈልጣ ብኲናት፣ድርቅን ፖለቲካዊ ዘይምርግጋዕን ከም ዝነበረ ብምዝኽኻር፤ ሎሚ ግና እታ ሃገር ነዚ ዝተዛብዐ ተረኽ ብመሰረተ ልምዓት ኢነርጂ፣ኣቪዬሽን፣መዓድንን ዲጂታል ኢኮኖምን ኣዝዩ ዝነኣድ ለውጥታት ንምስራሕ እናሰርሐት እያ ትርከብ ይብል እቲ ፀብፃብ።
ኢትዮጵያ ከመይ ጌራ እያ ፈተናታት ተሳጊራ ኣብ ኣፍሪካ ቅልጡፍ ዕቤት ካብ ዘለዎም ኢኮኖሚታት ግንባር ቀደም ክትኸውን ክኢላ? ዝብል ሕቶ ብምልዓል እቶም መልስታት ብዝርዝር የብራህርህ።
ናይዚ ሕቶ መልሲ ብተበግሶ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ተግባራዊ ዝግበሩ ዘለዉ ቀፃሊ ዕድል ኢትዮጵያ ዝውስኑ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት እዮም ክብል ድማ ይሕብር።
• እቲ ፈላማይ ኣብዮት ኢነርጀን ዓብይ ግድብ ሕዳሰን እዩ። ኣብዚ ጉዕዞ ለውጢ ኢትዮጵያ ጎሊሁ ዝረአ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ እንትኸውን፤ ልዕሊ 5 ሽሕ ሜጋዋት ናይ ምፍልፋል ዓቕሚ ዘለዎ ኣብ ኣፍሪካ እቲ ዝዓበየ ፕሮጀክት ሃይድሮ ኤሌክትሪክ ከም ዝኾነ እቲ ሚድያ ኣብ ፀብፃቡ ኣፍሊጡ።
ዓብይ ግድብ ሕዳሰ መሰረት ባህግታት ኢንዱስትሪ ኢትዮጵያ፣ሓይሊ ኤሌክትሪክ፣ሸርፊ ወፃእን ዞባዊ ፅልዋ ዝፍጠረሉ ዓቕምን ከም ዝኾነ ኣብራህሪሁ።
ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ፍሉይ ዝገብሮ መንግስትን ህዝብን ኢትዮጵያ ካብ ባንኪ ዓለም ወይ ድማ ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ ሓንቲ ሳንቲም እውን ከይተለቅሑ ብደም፣ረሃፅን ገንዘብን ኣብ ውሽጥን ወፃእን ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ዝተሃነፀ ኣፍሪካውያን ብባዕሎም ሕልሞም ምዕዋት ከም ዝኽእሉ ዘርኣየ እዩ ኢሉ።
እቲ ግድብ ንኢትዮጵያውያን ካብ ኮንክሪትን ተርባይንን ዝለዓለ ትርጉም ከም ዘለዎ ዝገለፀ እቲ ፀብፃብ፤ ኣዝዩ ዝለዓለ መርኣያ ሓወልቲ ዓርስኻ ምኽኣልን ነፃነት ኢኮኖምን ከም ዝኾነ እውን ተንቲኑ።
ኢትዮጵያ ተሓዳሲ ሓይሊ ንኬንያ፣ጂቡቲን ሱዳንን ብምሻጥ ኤሌክትሪክ ናብ ፍልፍል ዝለዓለ ኣታዊ እናቐየረት ካብ ምዃና ብተወሳኺ ማእኸል ዞባዊ ምትእስሳር መላእ ምብራቕ ኣፍሪካ ኮይና እያ ትርከብ ኢሉ።
• ዓምዲ ዕቤት ኢትዮጵያ ኣቪዬሽንን ዞባዊ ምትእስሳርን
ኢነርጂ በይኑ ኢኮኖሚያዊ ዓቕሚ ኣይሃንፅን፤ እኳ ድኣስ ኢነርጂ ንኢንዱስትሪ የነቓቕሕ፣ምትእስሳር እውን ንዓለም ለኸ ንግዲ ይምግብ ዝበለ ፀብፃብ ሚድያ ፈርስት ፖስት፤ ኣብ ኣፍሪካ እቲ ዝዓበየ መንገዲ ኣየር ዝኾነ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ እዋን ንዝለዓለ ዓለም ለኸ ተወዳዳሪነት ጉዕዞ ከም ዝጀመረ ኣረዲኡ።
ብ12 ነጥቢ 5 ቢልዮን ዶላር ህንፀቱ ዝቀላጠፍ ዘሎ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱ በቢ ዓመቱ ክሳብ 110 ሚልዮን ተጉዓዝትን ናብ 4 ሚልዮን ቶን ዝፅጋዕ ፅዕነት ንብረትን ናይ ምትእንጋድ ዓቕሚ ዘለዎ እዩ።
ህንፀቱ ሙሉ ብሙሉእ እንትዛዘም እውን ብብርኪ ዓለም ካብቶም ዓበይቲ ማእኸላት ኣቪዬሽን እቲ ሓደ ክኸውን እዩ ይብል።
እዚ ፕሮጀክት መነሃርያ ኣህጉራውን ዓለም ለኻውን ዲፕሎማሲ ንዝኾነት ኣዲስ ኣበባን ኣፍሪካን ምስ ካልኦት ክፋላት ዓለም ዘተኣሳስር ዋና መተሓላለፊ ከም ዝኸውን ገሊፁ።
ስለዚ እቲ ሓዱሽ መዕርፎ ነፈርቲ ንንግዲ፣ኢንቨስትመንትን ቱሪዝምን፣ምትሕብባር ዲፕሎማሲ ዓለም ርኡይ እጃም ከም ዘበርክት ተሓሲቡ ዝህነፅ ዘሎ እዩ ይብል እቲ ፀብፃብ።
• ኢንቨስትመንት መዓድንን ብምግቢ ዓርስኻ ምኽኣልን
ብካሊእ መዳይ ኣብ ትሕቲ መሬት ኢትዮጵያ ንዘሎ ሃፍቲ መዓድን ትኹረት ብምሃብ ኣብዮት ልምዓት እናካየደት ከም ዝኾነት ፀብፂቡ።
እታ ሃገር ሜጋ ፕሮጀክትታት መውፅኢ ወርቅን ካልኦት መዓድናትን ብምስፍሕፋሕ ሓደሽቲ ፍልፍላት ሸርፊ ወፃኢ እናፍረየት ኢንዱስትሪ መዓድና እናዕበየት እያ ትርከብ ኢሉ።
ወርቂ ካብ ፍርያታት ንግዲ ወፃኢ ኢትዮጵያ እቲ ሓደ ብምዃን ንነዊሕ እዋን ኣብ ግብርና ፅግዕተኛ ኮይኑ ንዝፀንሐ ኢኮኖሚ ብቕልጡፍ ናብ ብዝሃ ዓውዲ እናሰጋገሮ ከም ዝርከብ እውን ሓቢሩ።
ብካሊእ መዳይ ብምግቢ ዓርስኻ ካብ ምኽኣል ወፃኢ ዝኾነ ዓይነት ኢኮኖሚያዊ ለውጢ ዝተማልአ ክኸውን ከም ዘይኽእል ዝገለፀ እቲ ፀብፃብ፤ ግብርና ዓንዲ ሑቐ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ከም ዝኾነ ኣረዲኡ።
ብቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምግቢ ዓርሳ ንኽትኽእል ኣብ ዝጀመሮ ጉዕዞ ለውጢ ኣስደማሚ ውፅኢት እናምፀአ እዩ ኢሉ።
ምስ እዙይ ተሓሒዙ እውን ካብ ብስራታት ጉባ ሓደ ዝኾነን ኣብ ክልል ሶማሌ እናተሃነፀ ዝርከብን ፕሮጀክት ፋብሪካ ማዳበሪያ ኣብ ዓመት 3 ሚሊዮን ቶን ዝኸውን ማዳበሪያ ዩሪያ ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ዘለዎ ከም ዝኾነ ብምሕባር፤ እዙይ እውን ካብ ወፃኢ ዝኣቱ ማዳበሪያ ፅግዕተኝነት ብምቕናስ መፍረያይነት ሕርሻ ኢትዮጵያ ንምዕባይ ከም ዘኽእል ኣብሪሁ።
"ምርግጋፅ ውሕስነት ምግቢ ናትና ስትራቴጂካዊ ኢድ ኣእታውነት እዩ። እቲ ዕላማ ጋህዲ ንምግባር ኣብ እታዎታት ክንሰርሕ ኣለና። ኣብ እታዎታት ምስራሕ እንተዘይክኢልና ንምርግጋፅ ውሕስነት ምግቢ መገዲ የለን" ዝብል ሓሳብ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ሓሳብ ብምክታት እቲ ፀብፃብ ሰፊሕ ሽፋን ሂቡዎ እዩ።
. ዲጂታላይዜሽንን ምምሕያሽ ዕዳጋ ኢንቨስትመንትን
ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ለውጢ ናብ ዲጂታል እውን እናተሰጋገረ እዩ። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ከም ዝተዛረብዎ፤ ኢኒሼቲቭ ስልጠና 5 ሚሊዮን ኮደርስ ካብቲ ዝተሓሰበሉ ትልሚ ኣቐዲሙ ካብ ምዕዋቱ ብተወሳኺ፣ ንብዙሓት መንእሰያት ወነንቲ ዲጂታል ፍልጠት ገይሩዎም እዩ።
ብተመሳሳሊ ምትእስሳር ዲጂታል እናሰፍሐ እንተኸውን፤ ኣገልግሎታት 4Gን 5Gን ኣብ ብዙሓት ከተማታት ተበፃሒ ኾይኑ እዩ።
ኢትዮጵያ ንብዙሓት ዓሰርተታት ዓመታት ተዓፅዮም ዝፀንሑ ከም ቴሌኮሙኒኬሽን፣ ባንክን ዕዳጋታት ካፒታልን ዝመሳሰሉ ዓውድታት ንሰብ ሃፍቲ ወፃኢ ክፍቲ ምግባራ እውን ንኢዱ፡፡
ዕዳጋ ካፒታል ምጅማራ እውን ልውውጥ ካፒታል ውልቀ ብምዕባይ ንኢኮኖሚያዊ ዕብየት ዓብዪ ግደ ከም ዝፃወት ተንንቲኑ።
እዞም ምምሕያሻት ብሓፈሻ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር መንግስቲ ካብ ዝነበረ ኢኮኖሚ ናብ ኢንቨስትመንት ውልቀ እናዓበየ ዝኸይድ ኢኮኖሚ መሰረታዊ ለውጢ ምምፃኡ ዘርእዩ እዮም ኢሉ።
ኢትዮጵያ ካብ ዘለዋ ጂኦ-ፖለቲካውን ስትራቴጂካዊን ኣቀማምጣ ኣንፃር ዕድላትን ፈተናታትን ኣብ ቅድሚኣ ምህላዎም ብምልዓል፤ ኣባል እቲ ሓድሽ ዓለም ለኸዊ ሕብረት ብሪክስ (BRICS) ምዃና እውን ኣዘኻኺሩ።
ካብ ቻይና፣ ሃገራት ማእኸላይ ምብራቕ ፣ ምዕራባውያን መሻርኽትን ካብ ኢንቨስተራት ኣፍሪካውያንን ኢንቨስትመንት እናስሓበት ከም ዝኾነት እውን ኣመላኺቱ።
ኢትዮጵያ ወገን ከይፈለየት ምስ ኩለን ሃገራት ዓለም ምትሕብባራ እናጠናኸረት እያ ክብል ሓቢሩ።
ዓለም ንኢትዮጵያ ትዝክራ ዋላ ኳ ብኲናት እንትኾነ ኢትዮጵያ ግና ዓለም ብሓድሽ ናይ ለውጥን ዓወትን ጕዕዞኣ ክዝክራ እናሰራሕት እያ ትርከብ ይብል ፀብፃብ ሚድያ ፈርስት ፖስት።
ነዙይ እውን ኣብ መላእ እታ ሃገር ኣብ ኩሎም ዓውድታት ዓብዪ ስግግር ኢኮኖሚ እናተኻየደ እንትኸውን፣ እቲ ጉዕዞ ኢትዮጵያ ኣብ ዝቕፅሉ ዓመታት ሓፈሻዊ ምስሊ ኣፍሪካን ኢኮኖሚ እቲ ዞባን ብሓዱሽ መልክዕ ዝቐርፅ እዩ እውን ክብል ሚድያ ፈርስት ፖስት ኣብ ፀብፃቡ ሓቢሩ።