ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ን ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸውን ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ብምዃን ኣብ ከተማ ባህር- ዳር ቁልፊ ቦታታት ልምዓት ተዘዋዊሮም ጎብንዮም - ኢዜአ ትግርኛ
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ን ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸውን ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ብምዃን ኣብ ከተማ ባህር- ዳር ቁልፊ ቦታታት ልምዓት ተዘዋዊሮም ጎብንዮም
ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ 30/2018 (ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ን ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸውን ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ብምዃን ኣብ ከተማ ባህር- ዳር ቁልፊ ቦታታት ልምዓት ተዘዋዊሮም ጎብንዮም።
ኣብ እዋን ዑደቶም እታ ከተማ ዘለዋ ዕቑር ዓቐምን ተስፋ ወሃብቲ ምንቅስቓሳት ልምዓትን ብግልፂ ከም ዝተርኣየ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣፍሊጡ።
እዞም ስትራቴጂካዊ ስራሕትታት ልምዓት ተጠቃምነት ነበርቲ ዘረጋገፁ፣ ምንቐቓሕ ዝፈጠሩ ከምኡ እውን ከተማ ባህርዳር ብብርኪ ዓለም ለኸ ዘለዋ ማእኸልነት ንግድን ኢንቨስትመንትን ብዝበለፀ ዘጠናኽሩ ከም ዝኾኑ እውን ገሊፁ።
ብተወሳኺ እውን ኣብ ዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ኣምሓራ ብደገፍ ቴክኖሎጂ እናተኻየደ ንዘሎ ቴክኖሎጂ ሪፎርም ከም ዝተዓዘቡ ሓቢሩ።