መሰረተ ልምዓት ኣቪዬሽን ንኩለ መዳያዊ ብልፅግና ኢትዮጵያ ዓምዲ እዩ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ 30/ 2018(ኢዜኣ) መሰረተ ልምዓት ኣቪዬሽን ንኩለ መዳያዊ ብልፅግና ኢትዮጵያ ዓምዲ እዩ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ተዛሪቦም።
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ሎሚ መዓልቲ መሪቕና ኣገልግሎት ዘጀመርናዮ ሓዱሽ ተርሚናል መንገደኛታት ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ደጃዝማች በላይ ዘለቀ መርኣያ ድሙቕ ጉዕዞ ዓወት መንገዲ ኣየርና እዩ ኢሎም።
እዚ ዘበናዊ ተርሚናል ንባህር ዳርን ከባቢኡን ካብ ዘለዎ ኩለ መዳያውን ኢኮኖሚያውን ረብሓ ብተወሳኺ እታ ከተማ ካብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ቀፂላ ካልኣይ ዝዓበየ እጃም ማእኸልነት ዓለም ለኸ ኣቪዬሽን ንክህልዋ ዘኽእል ከም ዝኾነ ተዛሪቦም።
ፕሮጀክትታት ተሊምካ ምጅማርን ብፅሬት ፈፂምካ ንህዝባዊ ኣገልግሎት ምብቃዕን ባህልን መግለፅን መንግስቲ መደመር ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ እዚ ጉዕዞ ትግሃትን ምፍፃምን ድማ ተጠናኺሩ ከም ዝቕፅል ኣረጋጊፆም።
ንማሕበረብ ባህር ዳርን ከባቢኡን እውን መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ኣመሓላሊፎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም