ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዕቤት ዓውዲ መዓድን ብቕልጡፍ እናወሰኸ መፂኡ እዩ-ሚኒስትር ኢንጂነር ሃብታሙ ተገኝ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዕቤት ዓውዲ መዓድን ብቕልጡፍ እናወሰኸ መፂኡ እዩ-ሚኒስትር ኢንጂነር ሃብታሙ ተገኝ
ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ 30/2018 (ኢዜኣ) ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዕቤት ዓውዲ መዓድን ካብ እዋን ናብ እዋን ብቕልጡፍ እናወሰኸ ከም ዝመፀ ሚኒስትር መዓድን ኢንጂነር ሃብታሙ ተገኝ ገሊፆም።
ሚኒስቴር መዓድን ኣብ ኣፈፃፅማ ስራሕ በጀት ዓመት 2018ን ትልሚ በጀት ዓመት 2019ን ግምገማ የካይድ ኣሎ።
ሚኒስትር መዓድን ኢንጂነር ሃብታሙ ተገኝ ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤ ዓውዲ መዓድን ካብቶም 5 ዓምድታት ኢኮኖሚ እታ ሃገር እቲ ሓደ እዩ።
ስለ ዝኾነ ድማ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዕቤት ዓውዲ መዓድን ካብ እዋን ናብ እዋን ብቕልጡፍ እናወሰኸ ከም ዝመፀ ተዛሪቦም።
ኣብቲ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት ካብ ዓውዲ መዓድን ከባቢ 5 ነጥቢ 7 ቢልዮን ዶላር ሸርፊ ወፃኢ ምርካብ ከም ዝተኽኣለ እውን ኣረዲምኦም።