ኣብ ባህር ዳር ዝተጀመሩ ስራሕቲ ኢኮኖምን መሰረተ ልምዓትን ተጠናኺሮም ክቕፅሉ እዮም-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ 30/2018 (ኢዜኣ) ባህር ዳር መርኣያ ልምዓትን ዕቤትን ኮይና ንክትቕፅል ስራሕቲ ኢኮኖምን መሰረተ ልምዓትን ተጠናኺሮም ከም ዝቕፅሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ከተማ ባህዳር ሓዱሽ ተርሚናል ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ደጃዝማች በላይ ዘለቀ ሎሚ መሪቖም።



እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤ ባህርዳር ብተፈጥሮኣዊ ፅባቕኣን ታሪኻዊ ፀጋታታን ንኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነስ ንኣፍሪካ ብሓፈሻ መርኣያ ልምዓትን ዕቤትን ምዃን ትኽእል ከተማ እያ።
እታ ከተማ ቅድሚ 100 ዓመታት ኣብ መንጎ ሸዋ፣ወለጋን ጎንደር ንዝሳለጥ ዝነበረ ልዑል ምንቅስቓስ ንግዲ ቀንዲ መሰጋገሪት ድልድል ኮይና ክተገልግል ከም ዝፀንሐት ብምዝኽኻር፤ እዚ ታሪኻዊ ኣቀማምጣ ንኢኮኖሚያዊ ምንቅስቓስ እቲ ክልል ዓብይ መበገሲ ከም ዝኾነ ተዛሪቦም።
ኣብ መንጎ ጎርጎራን ባህር ዳርን ዝነበረ ጥንታዊ ምትእስሳር ንግድን ቱሪዝምን ንምጥንኻር ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ከም ዝተሳለጡ ብምሕባር፤ ሪዞርት ጎርጎራን ፕሮጀክትታት ፈለገ ግዮንን ከም ዝተሃነፁ ከም ኣብነት ፀሪሖም።
ባህርዳር ካብ ቱሪዝም ብተወሳኺ ኣብ ዓውዲ ኢንዱስትሪ ልዑል ዓቕሚ ስለዘለዋ ፓርክ ኢንዱስትሪ ከም ዝተሃነፀላ እውን ኣረዲኦም።
ኣብታ ከተማ ዝህነፅ ዘሎ ስታዴም እንትዛዘም ካብ ውሽጢ ሃገርን ኣፍሪካን ብርክት ዝበሉ ሰባት ከም ዝስሕብ ተዛሪቦም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ኣምሓራ ንዝተገበረ ስራሕ ሪፎርም እውን ንኢዶም።
ህንፀት እቲ ሓዱሽ ተርሚናል ብዝምልከት እውን፤ እቲ ቅድሚ ሕዚ ዝነበረ ተርሚናል ብዋላ ኳ ምኽንያት ጎንፂ ጉድኣት እንተበፅሖ በቲ ፀገም ካብ ምብስጫው እቲ ኣጋጣሚ ናብ ዕድል ብምቕያር ንቀፃሊ ወለዶ ዝሳገር ዝሓሸን ዝለዓለን ተርሚናል ምህናፅ ከም ዝተኽኣለ ገሊፆም።
እቲ ሓዱሽ ተርሚናል ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ደጃዝማች በላይ ዘለቀ ካብ መንገዲ ኣየራት መብዛሕቲአን ሃገራት ኣፍሪካ ዝሓሸ ዓቕምን ብርክን ዘለዎ ከም ዝኾነ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ እዚ ዓብይ ዓቕሚ ናብ ሙሉእ ዓወት ንምቕያር ትግሃት፣ፃዕርን ሓባራዊ ስራሕን እቲ ህዝቢ ኣድላይ ስለዝኾነ እቲ ህዝቢ ግዚኡን ዕድሉን ተጠቒሙ ንልምዓት ጠጠው ንክብል ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ብተወሳኺ እውን ሰላም ክባር ውህብቶ፣ግዜ ድማ ዓብይ ሃፍቲ ከም ዝኾነ ብምርዳእ እቲ ህዝቢ ብሓድነት ጠጠው ንክብልን ሃገሩ ንከልምዕን ሓቲቶም።
ዋላ ኳ ኣፈላላያት ወይ ድማ ዘይምርድዳኣት እንተሃለዉ ከም ጭዋ ህዝቢ ብዝርርብን ዘተን ምፍታሕ ከምዝግባእን ኣብ ጎንፂ ግዜ ምብኻን ትክክል ከም ዘይኮነን ኣፅንኦት ሂቦም ኣተሓሳሲቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም