ሓዱሽ ተርሚናል ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ደጃዝማች በላይ ዘለቀ ባህር ዳር እታ ከተማ ንዓለም ለኸን ውሽጢ ሃገርን በረራታት ካልእይቲ ቁልፊ መባፅሒትን ማእኸልን ንክትኸውን ዘኽእላ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ሓዱሽ ተርሚናል ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ደጃዝማች በላይ ዘለቀ ባህር ዳር እታ ከተማ ንዓለም ለኸን ውሽጢ ሃገርን በረራታት ካልእይቲ ቁልፊ መባፅሒትን ማእኸልን ንክትኸውን ዘኽእላ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ 30/2018 (ኢዜኣ) ሓዱሽ ተርሚናል ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ደጃዝማች በላይ ዘለቀ ባህር ዳር እታ ከተማ ንዓለም ለኸን ውሽጢ ሃገርን በረራታት ካልእይቲ ቁልፊ መባፅሒትን ማእኸልን ንክትኸውን ዘኽእላ እዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ሎሚ መዓልቲ ሓዱሽ ተርሚናል ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ደጃዝማች በላይ ዘለቀ ባህር ዳር መሪቕና ኢሎም።
እዚ ድማ ካብ ቁልፊ በርታት በረራ ኢትዮጵያ እቲ ሓደ ንዝኾነ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ደጃዝማች በላይ ዘለቀ ባህር ዳር ዓብይ ምዕራፍ ከም ዝኾነ ሓቢሮም።
እዚ ፕሮጀክት ዘበናዊ ተርሚናል ካብ ምዃን ዝለዓለ ትርጉም ከም ዘለዎ ብምግላፅ፤ ኣብ ፅባሕ ባህር ዳር ኣብ ቀረባ እዋን ዘተኣናገደቶም ፈተናታት ህንፀት እዚ ትርሚናል ተዛዚሙ ስራሕ ምጅማሩ መረጋገፂ ፅንዓት፣ምሕዋይን ቀፃልነት ዘለዎ ኢንቨስትመንትን እዩ ክብሉ ገሊፆም።
እቲ ሓዱሽ ተርሚናል ሰፊሕ መዕረፊ ኣውሮፕላናት፣ ዓበይቲ መሰረተ ልምዓታት፣ዝተስተኻኸሉ መባፅሒ መንገድታትን ዘበናዊ መገልገልታትን ዝሓዘ እዩ ኢሎም።
እዚ ድማ ዓቕሚ እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ብምዕባይ እናዓበየ ንዝመፀ ድሌት እቲ ከባቢ ዘማልእ ከም ዝኾነ ብምሕባር፤ ንመንገደኛታት እውን ምችውን ቅልጡፍን ኣገልግሎት ከም ዝህብ ሓቢሮም።
እዚ ሓዱሽ ተርሚናል ነታ ከተማ ምስ ዝሕድሳ ዘሎ ትራንስፎርሜሽን ከተማ ተደሚሩ ባህር ዳር ንዓለም ለኸን ውሽጢ ሃገርን በረራታት ካልእይቲ ቁልፊ መባፅሒትን ማእኸልን ንክትኸውን ከም ዝግበራ ኣረዲኦም።
ባህር ዳር ዝመሰለት ንቑሕቲ ከተማ ዘለዋ ኢኮኖሚያዊ ረብሓ ንምርግጋፅ ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ሰላሙ ምሕላዉ ንክቕፅለሉ ተስፋ ይገብር ክብሉ እውን መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።