ኢትዮጵያን ሕብረት ኣፍሪካን ንዕዉትነት ጉባኤ ኮፕ 32 ሓባራዊ ምትሕብባሮም ከም ዘጠናኽሩ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ 29/2018 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያን ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካን መበል 32 ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ውድብ ሕቡራት መንግሥትታት(ኮፕ 32) ብዓወት ንክሳለጥ ብዝበለፀ ተቐራሪቦም ከም ዝሰርሑ ኣፍሊጦም።
ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ኢትዮጵያ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) ሎሚ ምስ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍ ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ዘትዮም።



እቲ ዘተ ኣብ ጉዳይ ሰላምን ድሕንነትን ቀርኒ ኣፍሪካ ከምኡ እውን ኣብ ከይዲ ምድላው ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 2027 ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ መበል 32 ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ውድብ ሕቡራት መንግሥትታት(ኮፕ 32) ትኹረት ዝገበረ እዩ።
ዓወት እዚ ዓብይ ዓለም ለኸ ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምርግጋፅ ኣብ መንጎ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካን ኣዳላዊት ኢትዮጵያን ዘሎ ምውዳድ ብዝበለፀ ምጥንኻር ከም ዘድሊ ኣፅንኦት ሂቦም ምዝታዮም እውን ሓበሬታ እቲ ሕብረት የመላኽት። 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም