ኢትዮጵያ ዲጂታል ሉኣላዊነታ ዘረጋግፅ ቆራፅ ስጉምቲ እናወሰደት እያ ትርከብ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ዲጂታል ሉኣላዊነታ ዘረጋግፅ ቆራፅ ስጉምቲ እናወሰደት እያ ትርከብ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ 28/2018 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ዲጂታል ሉኣላዊነታ ዘረጋግፅ ቆራፅ ስጉምቲ እናወሰደት ከም ዝኾነት ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።
ፕሮግራም ብሄራዊ መለለዪ መንነት(ፋይዳ) ከም ኣካል ትካል ልምዓት መንግስቲ ዳግማይ ብምጥያሽ “ፋይዳቨርስ ዲጂታል ሶሉሽንስ ኢንተርፕራይዝ” ብዝብል ስያመ ኣብ ትሕቲ ኢንቨስትመንት ሆልዲንግስ ኢትዮጵያ ተኻቲቱ።
ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ጉዕዞ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ኢትዮጵያ ሓዱሽ ምዕራፍ ዝኸፈተ “ፋይዳቨርስ” ዕላዊ መርሃ ግብሪ ምጅማር ስራሕ ተኻይዱ።
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤ ምጅማር ስራሕ"ፋይዳቨርስ" ኢትዮጵያ ንዲጂታል ሉኣላዊነታ ዝሃበቶ ቆራፅነት ዘርኢ ታሪኻዊ ስጉምቲ እዩ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ፕሮግራም ብሄራዊ መለለዪ መንነት(ፋይዳ) ንዲጂታል ኢኮኖሚ እታ ሃገር ዓንዲ ሑቐ ኮይኑ ከም ዝተሃነፀ ብምግላፅ፤ ክሳብ ሕዚ ከባቢ 50 ሚልዮን ዝኾኑ ዜጋታት ከም ዝተመዝገቡ እውን ተዛሪቦም።
ፕሮግራም ብሄራዊ መለለዪ መንነት (ፋይዳ) ከም ትካል ልምዓት መንግስቲ ኣብ ትሕቲ ሆልዲንግስ ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ "ፋይዳቨርስ" ብዝብል ስያመ ዳግማይ ከም ዝተጣየሸ ሓቢሮም።
እቲ ፕሮጀክት ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ሓፈሻዊ ፍርያት ውሽጢ ሃገር ኢትዮጵያ ብ6 ሚኢታዊ ንከዕብን ብቢልዮናት ዝልካዕ ቀጥታ ኢኮኖሚያዊ ረብሓ ንከምፅእን ዓብይ ተስፋ ከም ዝተገበረሉ ኣረዲኦም።
እቲ ኣገልግሎት ካብቲ ነባር መተግበሪ Fayda ID ብዝተሓመየሸ መልክዑ ብኣፕሊኬሽን FaydaPassን ካልኦት ዘበናዊ ዲጂታል ፍርያታትን ዝቐረበ ስለዝኾነ ተበፃሕነትን ዓቕምን እቲ ኣገልግሎት ኣዝዩ ከም ዘዕብዮ ተዛሪቦም።
ዳታ ኣብ ዘበንና ቀንዲ ዓምዲ ኢኮኖምን ሉኣላዊነትን ስለዝኾነ ድሕንነት ሃገራዊ ሓበሬታታት ንምርግጋፅ ዘበናዊ ቴክኖሎጂታት ድሕንነት ሳይበርን ፖሊሲታት ጠንካራ ምምሕዳር ዳታን ብተኸታታሊ ተግባራዊ ምግባር ይግባእ ኢሎም።
ብመሰረት ስትራቴጂ “ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030” ልምዲ ዲጂታል መሰረተ ልምዓት ንካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ ንምክፋል ዝተጀመረ ስራሕ ተጠናኺሩ ከም ዝቕፅል ኣረጋጊፆም።
"ፋይዳቨርስ" ናብ ትካል ልምዓት መንግስቲ ምሕዋሱ እውን ዲጂታል መንነት ልክዕ ከም መንገዲ፣ ሓይልን ቴሌኮሙኒኬሽንን ወሳኒ ስትራቴጂካዊ መሰረተ ልምዓት ከም ዝኾነ ዘረጋግፅ ታሪኻዊ ስጉምቲ ከም ዝኾነ ኣብራህሪሆም።